ወራር ቀይሕ ኮኾብን ታኼላ ቀይሕ መስመርን
9ይ ክፋል
ኣብ ዓንቀጽ ሻምናይ ክፋል ናይ’ዚ ኣርእስቲ’ዚ፡ ግንባር ባርካ – ብናይ ጸላኢ ኣጸዋውዓ “ከርከበት ግንባር” – ቅድሚ ምጅማር ሻድሻይ ወራር ኣብ ዝነበረ ሳምንቲ፡ ህዝባዊ ሰራዊት ስትራተጂያዊ መከላኸሊ ቦታታት መሪጹ ድፋዓት ብምስራሕን ብተንቀሳቐሲ ስለያን ክዓጹ ከሎ፡ ጸላኢ ድማ ወተሃደራዊ ልምምዳትን ስለያዊ ምንቅስቓሳትን የጽዕቕ ከም ዝነበረ፣ ናይ ወገን ሰራዊት ከኣ ድብያታት ኣዳልዩ ብምጽናሕ ንጉጅለታት ስለያ ጸላኢ ይድምስሰንን ጸላኢ ዝጭበጥ ሓበሬታ ከም ዘይረክብ ይገብርን ከም ዝነበረ፣ ካብ ጀንገሬን ክሳብ ሳታ ተዘርጊሖም ናይ ዝነበሩ መንነት ክ/ጦራት ጸላኢ፡ ብፍላይ ድማ ብዛዕባ ድሕረባይታን ተመኩሮን ናይቶም ን”መብረቅ እዝ” ዘቖሙ ክ/ጦራት ከም ዘላለና፣ ብቐንዱ ከኣ ብዛዕባ’ቶም ኣብ ኣስመራ ኮማንድ ፖስት ደኲኖም ንወራር ቀይሕ ኮኾብ ዘወሃህዱ ዝነበሩ ላዕለዎት ኣዘዝቲ ሰራዊት ኣላሊና ነይርና። ኣብ ናይ ሎሚ ዓንቀጽ ድማ፡ ኣብ ግንባር ባርካ ወራር ቀይሕ ኮኾብን ናይ መጠረሽታ ውጽኢቱን እንታይ ይመስል ከም ዝነበረ እንሆ፤
መጥቃዕቲ ጸላኢ ኣብ ጎቦታት ዓዳይት፡ ኣብ ከባቢታት ሰንሰለታዊ መስመር ምዕርን ስግሩ ኣብ ዘሎ ጎቦታት ሓለግ-ንዋይን ክሳብ ናብ ኮከን ገጹ ይዝርጋሕ ነበረ። ቅርጺ መሬት ናይቲ ከባቢ፡ ነዋሕቲ ጎቦታት ምስ ዓበይቲ ደናጉላ ዝመልአ’ዩ። ጎቦታት ምዕር ግን ሕጽር ዝበሉ እዮም። ብሓፈሻ ካብቶም ኣብቲ ከባቢ ዘለዉ ጎቦታታት ዝመንጨወ ሰናጭሮ ኣብ ሩባ ዓዳይት ምስ ተጠርነፉ ነቲ ሩባ መጠናዊ ስፍሓት ይውስኹሉ። ናብ ጎላጕል ምስ ወረድካ ሓሓሊፉ ስብርባር መሬት ኣለዎ።
ብዘይካ ኣብ መታተት፡ ኣብቲ ከባቢ ማይ ዝርከቦ ቦታ ዳርጋ የለን። ማይ ምዕር ብድሕሪ ድፋዕ ህዝባዊ ሰራዊት’ዩ ዝርከብ። ኣብኡ ዓሪደን ዝነበራ ኣሃዱታት ህዝባዊ ሰራዊት፡ ብሸነኽ ዓዳይት፡ ክልተ በጦሎኒታትን ሓንቲ ሓይሊን ናይ ብርጌድ 70፡ (70.2፡ 70.3ን ሓንቲ ሓይሊ ካብ 70.1ን)። ብሸነኽ ምዕር፡ በጦሎኒ 23.3፡ ምስ በጦሎኒ 74። ኣብ መንጎ መንጎ 2-በጦሎኒታት ህዝባዊ ወያነ በብሓደ ሓይሊ ፋሕ ኢለን ነይረን። ካብ ኣሃዱታት ብርጌድ 76 (ከቢድ ብረት) ሓይሊ 76.11፡ ሓይሊ ታንክ 76.43፡ ሓይሊ ሜካናይዝድ 76.5 ተኻፊለን።
ሻድሻይ ወራር፡ ኣብቲ ካልእ ግንባር ብ15 ለካቲት 1982 ከም ዝጀመረ ዝፍለጥ ኮይኑ፡ ኣብ ተመሳሳሊ ዕለት ጸላኢ ካብ ከርከበት (ግንባር ባርካ) ተበጊሱ ኣብ ጥቓ ኮከን ውዒሉ። ዕለት 16 ድማ ናብ ኮከንን ኩርን ኣትዩ። ድሕሪ ናይ ክልተ መዓልቲ ጕዕዞ – ብዕለት 18/2/1982 ከባቢ ሰዓት 15፡ 00 – ኣብ ዓዳይትን ሓለግ-ንዋይን በጺሑ። ኣካይዳ ናይ’ቲ ሰራዊት፡ ናብ ውግእ ዘምረሐ ይመስል ኣይነበረን፣ ከም ጥሪት ብሩባ ፈልከት ለመም እናበለ ይጐዓዝ ነበረ።
ብመሰረቱ’ውን ዕላማ ጕዕዞኡ ብልክዕ ኣይተሓበረን። ናብ መጥቃዕቲ ይኣቱ ከም ዘሎ ግምት’ምበር ኣፍልጦ ኣይነበሮን። ሓለፍቲ ናይቲ ሰራዊት ንሰራዊቶም፡ 60 ኪሎሜተር ምስ ተጓዕዙ ኣብ ሓደ ዝተፈላለዩ ዓይነት ፍረታት ዘለዎ ጀራዲን ከዕርፉ ምዃኖም መታለሊ ሓበሬታ ሂቦም’ዮም ኣበጊሶሞም። ኣብ ጥቓ ሩባ ሕሩም – ስንቂ ውድብ ዝነበረሉ ቦታ – ምስ በጽሐ ግን፡ ናብ ድፋዕ ተጋደልቲ ይጽግዑ ከም ዝነበሩ ዘረጋግጽ ኣንፈት ረኺቦም። ምኽንያቱ፡ ኣብ ከባቢ ሕሩም ምስ በጽሐ፡ ብኣባል ብርጌድ 23 (ናይ ህዝባዊ ግንባር) ንዝተተኮሰት ሓንቲ ናይ ሃድን ጥይት ስለ ዝሰምዐ። ሰራዊትን ኣጽዋርን ከኣ ቅጽበት ጕዕዞኡ ጠጠው ኣበለ። ሽዑ ሽዑ – ድሕሪ ድምጺ ተዅሲ ምስምዑ – ኣብ ከባቢ ሰዓት 15፡00 እውን ውግእ ተወለዐ።
ወተሃደራት ጸላኢ፡ ውግእ ተጀሚሩ መሬት ብተዅሲ ምስ ተጨነቐት፡ ኣብ ትጽቢቶም ዘይጸንሐ ብምንባሩ ኣብ ስንባደን ምጭናቕን ወደቑ። ኣብቲ ዝተጠቕሰ ምሸት፡ ቀልጢፉ መሬት ስለ ዝጸልመተ ሰራዊት ኣብታ ጸባብ ሩባ ሓደረ። ብ19 ለካቲት ግን ናብ ታባታት ምብራቕ መታተት (ምዕራብ ዓዳይት) ወጺኦም ንኸጥቅዑ ተሰለፉ’ሞ፡ እቲ ውግእ እናጎሃረ ከደ። 19 ለካቲት ምሉእ መዓልቲ ኣብ መጥቃዕቲ ጸላእን ምክልኻል ወገንን ወዓለት። ኣብ ኣጋ ምምሳዩ ግን ህዝባዊ ሰራዊት በብዅርናዑ ሓያል ጸረ-መጥቃዕቲ ብምውሳድ ንጸላኢ ጸፊዑ ንድሕሪት መለሶ።
ብሸነኽ ክሳድ ሽከርን ሓለግ-ንዋይን ዝነበረ ጕዕዞን ኵነታት ጸላእን’ውን ተመሳሳሊ መንፈስ ነበሮ። ሰራዊት ጸላኢ ብዕለት 18/2/1982 ናብ ኣፍዴባ ዝወስድ ጽርግያን የማነ-ጸጋማ ናብ ዘሎ ታባታትን ቀረበ። ከባቢ ሰዓት 13፡30 ሽዱሽተ ኣባላት ሰራዊት ጸላኢ ነታ መንገዲ ሒዞም መጽኡ። ኣቐዲሞም ነቲ መንገዲ ዝፈልጡዎ ክመስሉ፡ ንድፋዓት ህዝባዊ ሰራዊት ከይረኣዩ ነታ ክሳድ ክሓልፉዋ ሃንደፍ ሃንደፍ እናበሉ ቀረቡ’ሞ፡ ተዅሲ ተኸፍተሎም። ክልተ ካብኦም ቀጥታ ወደቑ። እቲ ውግእ ከኣ ኣብዛ ደቒቕ’ዚኣ ጀሚሩ ክሳብ 19 ለካቲት ቀጸለ። ጸላኢ፡ የማነ-ጸጋም ናይታ ክሳድ ተደጋጋሚ ፈተነታት ኣካይዱ፣ ግን ክሰልጦ ኣይከኣለን። ሰራዊት ወገን፡ ምሸት ከባቢ ሰዓት 16፡00 ናይ 19 ለካቲት ብየማናይ ሸነኽ ክሳድ ሽከር ጸረ-መጥቃዕቲ ወሲዱ። ጸላኢ፡ ምዉት፡ ውጉእን ደኺሙ ዝተረፈ ሰራዊቱን ገዲፉ ናብ ኣፍ ኮከን ገጹ ሃደመ። ህዝባዊ ሰራዊት ናይ ጸረ-መጥቃዕቲ ተበግሶኡ ብምቕጻል፡ ብዕለት 20/2/82 ንግሆ’ውን ብኽንፍታት ዓዳይትን ክሳድ ሽከርን ንቕድሚት ገስገሰ። ንምሸቱ፡ ክልቲኡ ኣንፈታት ጸረ-መጥቃዕቲ ኣብ ኣፍ ኮከን ተራኸበ።
ጸላኢ፡ ብናይ ሚጋትን ሄሊኮፕተራትን (ነፈርቲ) ጻዕቂ ደብዳብ ተሰንዩ ክምክት ፈቲኑ። ናይ ኣጋር ጸረ-መጥቃዕቲ’ውን ኩሉ ዝከኣሎ ገይሩ። ግን ተስፋ ኣይረኸበሉን። እተን ንኽልተ ዓመታት ወረአን ጥራይ ክስማዕ ዝጸንሐ ዘመናውያን ሄሊኮፕተራት ውግእ ጸላኢ፡ ምስ’ቲ ኣብ ግንባር ባርካ ዝዓረደ ዝበዝሕ ተጋዳላይ ንመጀመርታ ግዜ’ዮም ፊት ንፊት ተራኺቦም። ኣብ ምድራት ምንቅስቓሳት ተጋዳላይ ዝነበረን እጃም ከኣ ኣነኣኢስካ ዝረአ ኣይነበረን። ግን፡ ነቲ ኣብ ግዜ ሻድሻይ ወራር መጽአ-መጽአ ክበሃል ከሎ ዝተወርየለን ሃዳዲ ዛንታ ዝዳረግ ብቕዓት ኣይነበረንን። ተጋዳላይ፡ ኣብቲ ዓውደ-ውግእ ክድብድባ ከለዋ ውጽኢት ስራሐን ምስ ተዓዘበ፡ ብዛዕባ ባህርያተን ሓቀኛ ገምጋም ወሰደ።
ሰራዊትን ከቢድ ኣጽዋርን ወገን፡ ብዕለት 21/2/82 እውን ኣብ ዓዳይትን ኣፍዴባን (ክሳድ ሽከርን ሓለግ ንዋይን) ኣንጻር’ቲ ጸላኢ ዝፍትኖ ዝነበረ ፈተነታት ጸረ- መጥቃዕቲ ኣበገሰ። ኩሉ ተጋዳላይ ሰሚሩ ብምግዳም፡ ብዘደንቕ ውህደትን ቅልጣፈን ካብ ኩሉ ጸላኢ ሒዙዎ ዝጸንሐ ቦታታት ጸራሪጉ ንድሕሪት ኣህተፎ። ጸላኢ፡ ኣብ ተደጋጋሚ ፈተነታቱ ብኽሳራ ጥራይ ክወጽእ ምስ ጀመረ ሕልናኡ ዓረቦ።
ገለ መለሳ እንተ ረኸበሉ ብምሕሳብ ከኣ፡ ብዕለት 22/2/82 ነቲ ንሸነኽ ሳታ ወፊሩ ዝነበረ ክፍለጦር 24 ንኽረድእ ንድሕሪት ከም ዝምለስ ገበሮ። ግን፡ ኣብ ውግእ ግንባር ክሳድ ሽከርን ሓለግንዋይ ከርክብን ክሳተፍን ኣይከኣለን። ኣብ መጠረሽታ ጸላኢ፡ ንሓያል ጸረ-መጥቃዕቲ ሰራዊት ህዝባዊ ግንባር ክጻወሮ ስለ ዘይከኣለ፡ ብኡ ኣቢሉ ተበታቲኑ ንሩባ ባርካ ተመልሰ። በዚ ምኽንያት፡ እቲ ንውድብ ህዝባዊ ግንባር ብሸነኽ ምዕራብ ገስጊሱ ኣብ ክርደና ክእትዋ ዝተሰለፈ ሳልሳይ ክንፊ ወፍሪ ቀይሕ ኮኾብ ጸላኢ፡ ስጕሚ ከይከደ ተሰሊዑ ተረፈ።
እቲ ብሸነኽ ሓልሓል ተሰሊፉ ዝነበረ 2ይ ክ/ጦር፡ “መብረቅ እዝ” ሻድሻይ ወራር ንምጅማር ካብ ዝተንቀሳቐሰሉ ዕለት ክልተ ወይ ሰለስተ መዓልታት ኣቐድም ኣቢሉ ካብ ጀንገሬን ንቕድሚት ምንቅስቓስ ጀሚሩ ነበረ። ዕላማ 2ይ ክፍለጦር፡ ኣብ ልዕሊ’ተን ብወገን ሓልሓል ዓሪደን ዝነበራ ክልተ በጦሎኒታት ብርጌድ 80 (ናይ ህዝባዊ ግንባር) ጸቕጢ ፈጢርካ ንገስጋስ “መብረቅ እዝ” ንምሕጋዝን ንድፋዓት ተጋደልቲ ኣብ ግንባር ባርካ ብድሕሪት ሃሪምካ ምፍራስን’ዩ። ኣብ መወዳእታ’ውን ብኣስማጥን ሃበሮን ኣጽርዩ ናብ ዛራ ብምቝራጽ ምስ ክንፊ “መብርቅ እዝ” ተጸንቢሩ ናብ ሓስታ ምግስጋስ መደብ ነይሩዎ። ነዚ ዕላማ’ዚ ሒዙ ካብ 12 ክሳብ 16 ለካቲት ካብ ጀንገሬን ነቒሉ ብሸሻ፡ ኣረሽያ፡ ኣዝረቐትን መለብሶን ናብ ረሀይ ገጹ ተወርዊሩ ነይሩ። ግን፡ እዚ ክ/ጦር እዚ’ውን በተን ናብቲ ከባቢ ዝተዋፈራ ሓይልታት ኣብራኹ ተሓምሺሹ ብዘይ ፍረ መኸነ። ብቐንዱ’ውን እቲ ካብ ከርከበትን ሩባ ባርካን (ብኽንፊ ምዕራብ) ዝተበገሰ “መብረቅ እዝ” ኣንፈት ገስጋስ ስለ ዘየርኣየ፡ 2ይ ክፍለጦር ጸላኢ ካብቲ በጺሑዎ ዝነበረ ከባቢ ንድሕሪት ሰሓበ።
መራሕቲ ክፍለጦራት “መብረቅ እዝ፡ ” ንስዕረት ሰራዊቶም ቅቡል ንምግባርን ካብ ተሓታትነት ንምምላጥን ዝተፈላለዩ ምኽንያታት ብምድርዳር ጸብጻባት ኣቕረቡ። ገለ ካብቲ ዘቕረቡዎ ጸገማት፤ እቲ ዝንቀሳቐሱሉ ዝነበሩ መስመር ሑጻ ኮይኑ ንናይ ተሽከርከርቲ ቅልጡፍ ጕዕዞ ዘይምቹእን ኣጸጋምን ብምንባሩ፡ በቲ ዝተመደበ ግዜ ኣብ ቦታ ተልእኾ ክብጻሕ ከም ዘይተኻእለ ኣምሪሮም ሓቢሮም። ብኸምኡ ምኽንያት ከኣ ዝተወሃሃደ መጥቃዕቲ ክካየድ ከም ዘይተኻእለ ገሊጾም።
እንተኾነ፡ እቲ ብሰንኪ ባህሪ ዝመጽአ ጸገማት ንኽልተ ተጻራሪ ሓይሊ ብማዕረ ክጸልዎ ናይ ግድን’ዩ። ዝያዳ’ኳ ድኣ ነቲ ሕጽረት ሎጂስቲካዊ ቀረባት ዝነበሮ ተጋዳላይ ብኣሉታ ክጸልዎ ዓቢ ተኽእሎ ነበሮ። ስለ’ዚ፡ እቶም ዕንቅፋትን ጠንቂ ፍሽለትን ተባሂሎም በቶም ኣብቲ ግንባር ዝነበሩ ሓለፍቲ ዝተጸብጸቡ ዝርዝራት፡ ኣብ ቅድሚት ክስርዑ ዘይክእሉ ንኣሽቱ ነገራትን ዘይመሰረታውያንን እዮም። እቲ ሓቂ፡ ተራራ ክ/ጦር 21 ኣብቲ ውግእ ጽቡቕ ገይሩ ስለ ዝተደኰዐ እዩ።
ኣብቲ ንሰለስተ መዓልታትን ፈረቓን ዝተኻየደ ውግእ፡ ተራራ ክ/ጦር 21 ብርቱዕ ጕድኣት ወሪዱዎ እዩ። መስርሕ ናይቲ ዓውደ-ውግእ ከም ዝመስከሮ፡ ተራራ ክ/ጦር 21 ምስ ተጋዳላይ ህዝባዊ ሰራዊት ሓርነት ኤርትራ ክዳረግ ዝኽእል ወተሃደራዊ ብቕዓት ይዅን ናይ ውግእ ዲስፕሊን ኣይነበሮን። ምኽንያቱ፡ ሰራዊት ጸላኢ ውግእ ምስ ጀመረ ርእሱ ኣቕኒዑ ናይ ምትኳስ ድፍረት ኣይነበሮን። ካብ ውግእ ንምምላጥ’ውን ነብሶም ብገዛእ ኢዶም ዘቝሰሉ ብዙሓት ከም ዝነበሩ ናይ ጸላኢ ላዕለዎት መራሕቲ ባዕላቶም መስኪሮም’ዮም።
ግን፡ ወላ’ኳ ንጠንቂ ስዕረትን ፍሽለት ግንባር ከርከበትን መብረቅ እዝን ብሰንኪ ባህርያዊ መሰናኽላትን ድኽመት ኣባላት ሰራዊትን ተባሂሉ ብደረጃ’ቲ ግንባር ክድምደም ተፈቲኑ እንተ ነበረ፡ ሊቀመንበር ኮሎኔል መንግስቱ ሃይለማርያም ዝመርሓ ንጠንቂ ስዕረት ናይቲ ወራር እትምርምር ናይ ምክልኻል (ወተሃደራዊት) ኮሚተ ግን፡ ዝተፈልየ ውሳነ ሃበት። ጠንቂ ስዕረትን ፍሽለትን ናይቲ ወፍሪ ብሰንኪ ድኹም ኣመራርሓ ክፍለጦራት ምንባሩ’ያ ደምዲማ። ንተሓተትቲ ዝበለቶም ከኣ ቀጥታ ብሞት ቀጺዓ።
እቲ ሽዑ ብፍሽለት ናይቲ ወራር ቀንዲ ተሓታቲ ተባሂሉ ብሞት ዝተቐጽዐ ኣዛዚ፡ ኣዛዚ ክፍለጦር 21 ኮሎኔል ውብሸት ማሞ ነበረ። ኮሎኔል ውብሸት ማሞ፡ ንሱ ዝመርሖ ሰራዊት ኣብ ተኽረረት ድሕሪ ምእካቡ፡ ኣብ ቅድሚ ሰራዊቱ ረሺኑዎ። ኣዛዚ ብርጌድ 44 ንዝነበረ ሌ/ኮሎኔል ሲለሺ ኣሰፋው ከኣ፡ መዓርጉ ተቐንጢጡ 10 ዓመት ክእሰር ፈሪዱዎ። ንኻልኦት 15 መኮነናት’ውን ዝተፈላለየ ብይን ተዋሂቡዎም ናብ ማሕቡስ ኣትዮም። ወፍሪ ቀይሕ ኮኾብ ኣብ ግንባር ባርካ ድማ ብስዕረት ጸላኢ – ብስዕረት ሰራዊት ደርግ – ተደምደመ።
ስርዓት ደርግ፡ ብባርካ ወጢኑዎ ዝነበረ መደብ ኣፍሪሱ፡ ነቲ ብዘሕፍር ኣገባብ ኣብ ግንባር ባርካ ዝተጨፍጨፈ ክ/ጦር 21 ናብ ከባቢ ከረን ተመሊሱ ኣብ ሓለዋ ናይቲ ዞባ ኣዋፈሮ። ኣብቲ ወራር፡ ኵነታት ግንባራት ሳሕል እናኸፍአ ምስ ከደ ኸኣ፡ ኣብ መወዳእታ ወርሒ መጋቢት 1982 ናብ ግንባር ናቕፋ ከም ዝድረብ ገበሮ።
ሌ/ኮሎኔል ቦኽረጽዮን ገብረሚካኤል (ኢፒኣርፒ)
ይቕጽል
