ሪፖርታጅ
ሽልማት ኣውራ፡ ኣውራታት ንምንዳይ ዝካየድ ወፍሪ
ኣብርሃም ዘርአ (ወዲ-ሃለቃ)
ብኽፍሊ ባህልን ስፖርትን ዞባ ደቡብ እናተወደበ ዓመት መጸ ዝካየድ ውድድራት ስነ-ጥበብ ሽልማት ኣውራ፡ ሎሚ ዓመት’ውን ህዝቢ ን/ዞባ መንደፈራ፡ ሰበ-ስልጣን መንግስትን ግንባርን፡ ተወዳደርቲ፡ . . . ኣብ ዝተረኽብሉ’ዩ ብ29 ጥቅምቲ 2025 ሰዓት 8፡30 ቅ/ቀ ኣብ ኣደራሽ ኩዶሕምባሻ ተኻይዱ። ብስነ-ግጥሚ ድማ፡ ኣሃዱ ኢሉ መጋረጃኡ ከፈተ። ኣብ’ዚ ውድድር ዓዲ ወዓል፡ ኣስተንፍስ ሓፋሽ፡ ሕብረይ፡ ዓለምኪ ይሕሸኒ፡ መስከረም፡ ቈንጣሪ ቊንጣሮ፡ ኤርትራዊት’የ፡ ጸሓይ ኣብ ምላዳ፡ ዋሕኖ፡ ኣነ ሰብ ጸማም፡ ጽን በል… ዝብላ ግጥምታት ብተመኵሮ ዘለዎምን ሓደስትን መንእሰያት ገጠምቲ ካብ ኩለን ንኡሳን-ዞባታት ዞባ ደቡብ፡ ሓደ ድሕሪ ሓደ ንውድድር ቀሪበን። ኣብ’ዚ ውድድር ዝቐረበ ትሕዝቶታት ፍርያት ስነ- ግጥሚ፡ ዳርጋ መብዛሕትኦም ንጽንዓትን ተወፋይነትን፡ መንነትን ባህልን፡ ጻዕርን ምክብባርን፡ ፍቕርን ጻዕርን፡ ስኒትን ሓድነትን፡ ምስሊ ህዝቢ ኤርትራ ዝገልጹ እዮም ነይሮም። ኣብ’ዚ ውድድር፡ ተወዳደርቲ ዘርኣይዎ ናይ ውድድር መንፈስን ወኒን ክድነቑ ይግባእ። ብጠቕላላ ካብ 124 ተጻርዮም ናብ ዞባ ዝሓለፉ ግጥምታት፡ 11 ግጥምታት እዮም ብቐጥታ ናብ ተዓዘብትን ውድድርን ቀሪቦም።
ስዒቡ ዝቐረበ ውድድር፡ እቲ ሓያል ብቕዓት ዝሓትት ንያታን ባህልን ክብርታትን ሕብረተ-ሰብ ኤርትራ ዝገልጽ ውድድር ማሰን-መልቀስን እዩ። ተወዳደርቲ ኣብ’ቲ ዓውዲ ንነዊሕ እዋን ክነጥፉ ዝጸንሑ ኣውረስቲ ኣቦታትን ወረስቲ መንእሰያትን ኣብ ሓደ መድረኽ ንውድድር ፊት ንፊት ቀሪቦም። ያታ ኣቦታቶም ኣጽኒዖም ብምሓዝ እናወረሱ ዝኸዱ ዘለዉ ተወዳደርቲ ተባህለ በሃልቲ ንዝሓዝዎ ናይ ውሩያት ማሰኛታትን መላቐስትን ሃገርና ማሰን መልቀስን ከቕርቡ እንከለዉ፡ እቶም ከም ብዓል ኣቦይ ገ/ ልዑል ሃይለማርያም፡ ቀሺ ምሕረትኣብ፡ ተወልደመድህን ገ/ሚካኤል፡ መብራህቱ ተኽለወይኒ፡ ሰለሙን ተኽለኣብ፡ ኣቦይ መሓሪ ገብራይ፡ ሃለቃ ሚኪኤል ገ/ስላሴ….ዝኣመሰሉ ገዳይም ማሰኛታትን መላቐስትን ድማ፡ ናቶምን ናይ ካልኦት ውሩያት ማሰኛታትን ትሕዝቶታት ኣቕሪቦም።
ኣቕረብቲ ኣውሎን መልቀስን እቲ ዘቕረብዎ ትሕዝቶታት፡ መን ከም ዝበሎን መዓስን ኣበይን ንመን ከም ዝተባህለ… ብምምላስ እዮም ነቲ ተዳልዮምሉ ዝመጽኡ ፍርያት ስነ-ጥበብ ከቕርቡ ተራእዮም። ኣብ ክልቲኡ ናይ ጥበብ ውድድር ድማ፡ ብኸመይ ከም ዝበሃልን ከም ዝዝየምን ዝግበረሉ ኣወናዝፋን ኣተዓጥቓን ብግቡእ ከማልእዎ ተራእዮም። ብዘለዎም ዝተፈላለየ ዓቕሚ ድማ፡ ንሞያን ቍምነገርን፡ ዛንታን ታሪኽን፡ ልቦናን ጥበብን፡ ሓይሊን ጅግነነትን መዋቲ ብዝግባእ ከንጸባርቕዎ ተራእዮም። ብፍላይ መንእሰያት ኣብ’ዚ ዓውዲ’ዚ ዘርኣይዎ ወኒን ድሌትን፡ ኣብ’ቲ ዝግበር ዘሎ ሸቶ ናይ ምውርራስ ዕማም፡ ማዕረ ክንደይ ባህሎም ይዕቅቡ ከም ዘለዉ ዘርኢ’ዩ ክበሃል ይከኣል። ካብ ተዓዘብቲ ድማ፡ ድሙቕ ጨብጨባ ተለጊሱሎም ካብ መድረኽ ተፋንዮም። ኣብቲ መድረኽ ብ16 ማሰኛታትን መላቐስትን 47 ትሕዝቶታት ንውድድር ቀሪቡ።
ቀጺሉ፡ ሰዓት 11፡35 ቅ/ቀ ምስ ኰነ፡ እቲ ተዓዘብቲ ብልዑል ሃንቀውታ ክጽበይዎ ዝጸንሑ ውድድር ድግማ ደርፊ ሰዓቱ ኣኺሉ። ሙዚቀኛታት ዝተፈላለዩ ኣውታር መሳርሒታቶም ድሕሪ ምውህሃድ፡ ነዚ ውድድር ልዑል ምድላዋት ክገብሩ ዝቐነዩ ናይ ነፍሲ-ወከፍ ን/ዞባታት ድምጻውያን መንእሰያት ድማ፡ ተር ከም ዓተር ዝሓዝዎ ድግማ ደርፊ ኣቕረቡ።
ኣብ’ዚ ውድድር ዝቐረቡ ሕመረት ትሕዝቶታት፡ ንልምዓትን ወፍርን፡ ንፍቕርን ሕውነትን፡ ጥምረትን ሓድነትን፡ ቅያን ጅግንነትን፡ ኣድናቖትን ጻዕርን፡ መኸተን ጽንዓትን ህዝቢ ኤርትራ ከምኡ’ውን፡ ንጽባቐ ፍቕርን ሓዳርን፡ ኣድናቖት፡ ልቦናን ቁንጅናን፡ ንናፍቖትን መተዓብይትን…ዘጉልሑ ናይ ስሙያት ድምጻውያን ሃገርና ደርፍታት መስርዖም ሓልዮም ደጊሞም። ተወዳደርቲ ድምጻውያን ዘርኣይዎ ቅዲን ጥበብን፡ ወኒን ስምዒትን፡ ርእሰ ምትእምማን፡ . . . ዘለዎ ኣደራርፋ ንብቕዓቶም ዘመስክር ነይሩ። ኣብ’ዚ ውድድር 2 ደቂ-ኣንስትዮ ዝርከበኦም 13 ድምጻውያን ናብ መድረኽ ቀሪቦም።
ብድሕሪ’ዚ ሽልማት ኣውራ ዞባ ደቡብ፡ ኣብ ሰዓታት ድሕሪ ቐትሪ ኣብ ኣደራሽ ኩዶሕምባሻ፡ ነቲ ኣማኢት ተዓዘብቲ ብልዑል ባህጊን ሃረርታን ክጽበይዎ ዝጸንሑ ውድድር ትልሂት እዩ ኣአንጊዱ። ጉጀለታት ተለሃይቲ ናይ ኩለን ን/ዞባታት፡ ነቲ ሓያል መጽናዕቲ ብምግባር ክዳለዉሉ ዝቐነዩ ትልሂታት እዮም ኣቕሪቦም። መድረኽ ድማ፡ ብን/ዞባ ደቀምሓረ ተፋወነ። ኣብ’ዚ ውድድር’ዚ ተለሃይቲ ንኡሳን-ዞባታት መድረኽ ፉሕ-ፉሕ ከብላኦ ግዜ ኣይወሰደለንን። ዓቢ ትርጕምን መልእኽታትን ዘለዎ ንምስልና ዝገልጽ ዕዮ ትልሂታት፡ ከቕርቡ ተራእዮም።
እቲ ኣብቲ ውድድር ዝቐረበ ትልሂታት ኣብ ዝተፈላለየ ወቕትታት ዝዝውተር ንባህላዊ ብዙሕነትና ዘንጸባርቕ፡ ናይ መርዓን ደርዓን፡ ወፈራን መኸተን፡ ማሕስን ጐልጓልን፡ ሃንሰ-መስቀለን ቀውዒን ንጥፈታቱ ብምቕራብ እዮም ንማእቶትን ምድግጋፍን፡ ናፍቖትን ፍቕርን፡ ጽንዓትን ጅግንነትን፡ ንሓበንን ኵርዓትን፡ ብሓፈሻ ንያታን ልምድን፡ ወግዒን ክብርታትን፡ ባህልን መነባብሮን ብሄራትና ዘጉልሕ ዕዮ ጥበብ ኣቕሪቦም። ኣብዚ ውድድር’ዚ ብፍላይ ናይ ገለ ንኡሳን ዞባታት ብዕድመ ኣዝዮም ንኣሽቱ ብምዃኖም፡ ዕላማ መደብ ኣውራ ዞባ ደቡብ፡ ኣብ ምስግጋር ባህላዊ ውርሻ ጥበባት ማዕረ ክንደይ ብተግባር ከም ዝጐልሐ ዘመስክር እዩ። ኣብ’ዚ ውድድር ምህዞን ፈጠራን ዝተሓወሶ ብምንባሩ ከም ሶምያ፡ ወክስክስ፡ ኩዳ፡ ሸሊል፡ ሳሪጎብለ፡ ሶይራ፡ ተሓምበለ፡ ትንጒሊ፡ ምርግዲ፡ ኣስታሊለ… ዝኣመስለ 34 ዓይነታት ትልሂት ብ110 ተለሃይቲ መንእሰያት ብወኒን ልዑል ናይ ምውድዳር መንፈስን ንውድድር ቀሪቡ።
ኣብዚ፡ ህዝቢ ዝተገንዘቦ እንተ ደኣ ነይሩ፡ መንእሰያት ንባህላዊ ብዙሕነቶም ማዕረ ክንደይ ከም ዘፍቅርዎን ከም ዝከናኸንዎን ከም ዝከላኸሉሉን እዩ ነይሩ ክበሃል ይከኣል። ምኽንያቱ፡ ሕብረተ-ሰብ ባህሉ እንተ ደኣ ኣፍቂሩን ዓቂቡን ኣብ ዓለም እቲ ዝኸበረን ዝተፈትወን ህዝቢ እዩ። እዚ ኣብ ዞባ ደቡብ ባህሊ ንምዕቃብ ዝካየድ ዘሎ ወፍሪ እምበኣር፡ መርኣያ ናይ’ዚ ዝጠቐስኩዎ ክብርታት እዩ።
እንደገና ሓሙስ ምሸት ድሕሪ ድራር ካብ ሰዓት 7፡00 ክሳብ ሰዓት 8፡30 ውድድር ሻምብቆ እዩ ቀሪቡ። እዚ ውድድር’ዚ ኣብ ስነ ጥበባት ሽልማት ኣውራ፡ ኣብ’ዚ ዓመት ዝተኣታተወ ኰይኑ፡ ን/ዞባታት ድማ ከዐውቱና ይኽእሉ እዮም ዝበላኦም 8 ተወዳደርቲ ኣብዚ ዓውዲ ጥበብ ናብ መድረኽ ኣቕሪበን። ተወዳደርቲ ንብቕዓቶም ዝፍትሽ ዝተፈላለዩ ንናፍቖት በረኻን ንእስነትን፡ ጥሪትን ጉስነትን፡ ንፍቕርን ጅግንነትን፡ ንጽምዋን ምፍልላይን፡ ባህጊን ትብዓትን….ዝገልጽ ገሊኡ ዘሐብን፡ ገሊኡ ድማ ዘናፍቕን ዘቓዝንን ንማሕበራውን ፍቕራውን፡ ያታን ልምድን ሕብረተ-ሰብና ዝውክል ድንቂ ውቅዒታትን ህርመታትን ድማ ኣቕሪቦም። ካብ ተሳተፍቲ ከኣ፡ ገዚፍ ደገፍ ተፈነወሎም።
ብተወሳኺ፡ ኣብ ውድድር ስነ-ጥበባት ኣውራ፡ ንመጀመርታ እዋን ዝተኣታተወ ውድድር ቅብኣ’ውን ቀሪቡ። ቀባእቲ መንእሰያት ቅድሚ ሕጂ ብዝቐብእዎም ስነ-ጥበባዊ ስርሓትን ከምኡ’ውን፡ ኣብ ውድድር ብቐጥታ ሓደ ዓይነት ስእሊ ንኽስእሉ ብዝተወሃቦም ዕድል’ዩ ክእለቶምን ብቕዓቶምን ኣብ’ዚ ዓውዲ ክምዘን ተኻኢሉ። ኣዝዮም ትስፉዋት መንእሰያት ቀባእቲ ከም ዘለዉ ድማ፡ ኣብ ሰዓቱ ተገምጊሙ።
ብድሕሪ’ዚ ዓርቢ 31 ጥቅምቲ 2025 ኣብ ሰዓታት ቅድሚ ቀትሪ፡ ኣብ’ቲ ቅድሚ ሓደ መዓልቲ ካብ ንጉሆ ክሳብ ምሸት ብዘይ ዕረፍቲ ዝተኻየደ ውድድር ስነ-ጥበባት ኣውራ፡ ነቲ ዳንነት ዝመርሑ ምኩራትን ገዳይምን ስነ-ጥበበኛታት ሃገርና በብዓውዲታቶም ነቶም መንእሰያት ኣብ ስነ-ጥበባዊ ጉዕዞኦም ክሕግዞምን ከዕብዮምን፡ ከበርኾምን ከድምቖምን ዝኽእል ኣገደስቲ ነጥብታት ብምልዓል ንኹሎም ተወዳደርቲ ኣስተምህሮ ሂቦሞም። ብተወሳኺ ኣብ’ቲ ውድድር፡ ተወዳደርቲ ዝነበሮም ብልጫታት ከምኡ’ውን ድኻማት፡ ኣብ ዝሓዝዎ ዓውዲ ኣብ መጻኢ ብኸመይ መንገዲ ክሕዝዎን ክምዕብሉሉን ከም ዝኽእሉ ብሉጽ ሓሳባትን መአረምታታትን ሂቦምም።
ቀጺሉ ኣብ ሰዓታት ድሕሪ ቐትሪ እቲ ን2 መዓልታት ብውዕአኡዕ መንፈስ ኣብ’ታ ርእሰ ከተማ ዞባ ደቡብ ዝዀነት ከተማ መንደፈራ ዝተኻየደ ውድድር ሽልማት ኣውራ ዝዛዘመሉ ሰዓት’ዩ ኣኺሉ። ሓለፍቲ ግንባርን መንግስትን፡ ኣካላት ክፍሊ ባህልን ስፖርትን፡ ኣመሓደርቲ ን/ዞባታት፡ ህዝቢ ን/ዞባ መንደፈራን ተወዳደርቲን ኣብ ዝተረኸቡሉ መኽፈቲ ቃል ዘስመዐ ሓላፊ ክፍሊ ባህልን ስፖርትን ዞባ ደቡብ ኣቶ ኣብርሃም ዮሃንስ እዩ። ንሱ፡ ዕላማ መደብ ስነ-ጥበብ ሽልማት ኣውራ፡ ሓደ ካብቶም ዓበይትን ስሩዓትን ዓመታዊ መደባት ክፍሊ ባህልን ስፖርትን ኰይኑ፡ ነቶም ድሮ ስምን ዝናን ዝረኸቡ ስነ- ጥበበኛታት ዘይኰነ፡ ነቶም ብሕጂ ዝዓብዩ ውልዶ ስነ-ጥበበኛታት ኣብ ዓውድታቶም ዕድል ንምርካብን ምምልማልን ምዃኑ ሓቢሩ። ንሱ ብምቕጻል፡ ተልእኾ ናይቲ መደብ፡ ንያታን ባህልን ሕብረተሰብና፡ ካብ መጥቃዕቲ ዘመናውነት ምክልኻልን መሃዝነት መንእሰያትና ኣዕቢኻ ነቶም ኣብ ዝተፈላለዩ ዓውድታት ዝነጥፉ ኣውራታት ንምልላይን ምዕባይን ምዃኑ ገሊጹ። ኣብ መወዳእታ፡ እቲ መደብ ክንዮ’ቲ ዝተጠቕሰ ንመደባት ሃገራዊ በዓላት ከምኡ’ውን፡ ዞባውን ሃገራውን ፈስቲቫላትና ዝቐንዐ ስነ- ጥበባዊ ትሕዝቶታት ምድላው ምዃኑ ድማ ደምዲሙ።
ስዒቡ ቃል ዘስመዐ ኣቦ-መንበር ኣወሃሃዲ ውድድራት ኣውራ መንእሰይ ግርማይ ገብሩ እዩ። ንሱ፡ ናይ ሎሚ ዓመት ሽልማት ስነ-ጥበብ ኣውራ ዞባ ደቡብ፡ ካብ ዝሓለፈ ዓመታት ዓቢ ተመኵሮ ከም ዝተቐስሞ ድሕሪ ምሕባር፡ ተወዳደርቲ መንእሰያት ዘርኣዩዎ ልዑል ወኒን መንፈስን፡ ብተራን ምውህሃድን ኣለይቶምን ከም ዝዀነ ኣስሚሩሉ። ውድድር ስነ-ጥበባት ኣውራ ብቐንዱ ኣብቲ ዞባ ዘሎ ዕቑርን ብሉጽን ጸጋታት ባህሊ ንምብርባር ከምኡ’ውን፡ ዓቕሚ ስነ-ጥበበኛታት ኣብ ምውርራስ ክብርታትን መንነትን ጸላዊ ዝገብር መደብ ምዃኑ ገሊጹ። ብሓፈሻ ኣብ ነፍሲ-ወከፍ ዓይነታት ውድድር ዝነበረ ብልጫታትን ድኻማትን ዝርዝራዊ ጸብጻብ ኣቕሪቡ።
ንድምቀትን መዓርግን እቲ መደብ፡ ካብ’ቲ ኣብ ውድድር ዝቐረበ ሕሩይ ጣዕመ ዜማታት፡ ትልሂታት፡ ማሰን መልቀስን፡ ግጥምታት፡ ህርመት ሻምብቆ ቀሪቡ። ኣብ መዛዘሚ ድማ፡ ኩሎም ዕዉታት ብውልቅን ብደረጃ ን/ዞባታትን ካብ ዝምልከቶም ሓለፍቲ ሽልማቶም ተዓዲሎም። ን/ ዞባ ደቀምሓረ ድማ ጎብለል ውድድራት ኣውራ ብምዃን፡ ዘዋሪት ሽልማት ካብታ ንኽልተ ዓመት ዝዓተረታ ን/ዞባ ዓዲ-ቐይሕ ተረኪባታ።
ኣብ መዛዘሚ ናይ’ቲ መደብ፡ ኣመሓዳሪ ዞባ ደቡብ ኢንጅነር ሃብተኣብ ተስፋጽየን ኣብ ዘስመዖ ቃል፡ ባህላዊ ውርሻታትና ንምዕቃብን ናብ ዝበረኸ ደረጃ ንምስግጋሩን፡ ግቡእ መጽናዕቲ ብምክያድ መሳጢ ትሕዝቶታት ከም ዝቐረበ ድሕሪ ምሕባር፡ ንምኹስኳሱ ብዕቱብ ክስራሕ ከም ዘለዎ ተላብዩ። ሓላፊ ምም/ፋይናንስን ኮምሽን ባህልን ስፖርትን ኤርትራ ሌ/ኮ ሳሚኤል ጸጋይ ብወገኑ፡ ውድድራት ኣውራ ንምልእቲ ኤርትራ ኣብ ዞባ ደቡብ ዘንጸባረቐ ብምንባሩ፡ ዝካየድ ዘሎ ወፍርን ጻዕርታትን ቀሊል ስራሕ ከም ዘይኰነ ገሊጹ። ኮምሽን ዓቕሙ ዘፍቅዶ ክገብር ምዃኑ ሓቢሩ። እቲ መደብ ኣማስያኡ ብዝኽረ ሰማእታት ተዛዚሙ።


