ዝምድና ሱዳንን ኤርትራን
ክንዮ ጂኦግራፍ፡ ኣብ ሓባራዊ ዕድል ዝሰረተ ጽኑዕ ሽርክነት
ኦሳም ኣሕመድ ዓብደልባሪ
ኣምባሳደር ሪፓብሊክ ሱዳን ኣብ ኤርትራ
ኣብ መንጎ ሪፓብሊክ ሱዳንን ኤርትራን ዘሎ ክልተኣዊ ዝምድና፡ ኣብ ቀርኒ ኣፍሪቃን ዞባ ቀይሕ ባሕሪን ኣብነት ናይ ምዕቡል ቅዲ ክልተኣዊ ዝምድና እዩ። ዝምድና ክልተአን ሃገራት ኣብ ታሪኽ ዓሚቚ መሰረት ዘለዎ ኮይኑ፡ ኣብ ኩሉ ማለት ኣብ ፖለቲካዊ፡ ጸጥታዊ፡ ቁጠባዊ፡ ማሕበራዊ መዳያት ሰፊሕ ምትእስሳር ዘለዎ እዩ። እዚ ድማ፡ ክልተአን ሃገራት ኣብ ሓባራዊ ምትእምማንን ሰናይ ጉርብትናን ንሓድሕዱ ዝተዋሰበ ረብሓታትን ሓበራዊ መጻኢ ዕድልን መሰረት ዝገበረ ስትራተጂያዊ ዝምድና ከም ዝህልወን ገይሩ ይርከብ።
ታሪኻዊ ጥምረት፡ ዝተኣሳሰረ መንነት
ኣብ መንጎ ሱዳንን ኤርትራን ዘሎ ጂኦግራፊያዊ ዶብ፡ ንክልቲኦም ህዝብታት ፍጹም ዕንቅፋት ኮይኑ ኣይፈልጥን። ብኣንጻሩ እኳ ድኣ፡ ንሰብኣዊ ርክባት፡ ባህላውን ማሕበራውን ምትእስሳር ከም ድልድል ኮይኑ ኣገልጊሉ እዩ። ሱዳን ህዝቢ ኤርትራ ንናጽነቱ ዘካይዶ ዝነበረ ሓርነታዊ ቃልሲ ብምድጋፍ፡ ኣገዳሲ ታሪኻዊ ተራኣ ተጻዊታ እያ። እዚ ግደ’ዚ፡ ኣብ ሃገራዊ ንቕሓት ኤርትራውያን ዓሚቚን ነባሪን ጽልዋ ዝገደፈ ኮይኑ፡ ክሳብ ሎሚ ኣብ መርገጺታት መሪሕነት ኤርትራ ኮነ ኣብ ህዝባዊ ስምዒት ኤርትራውያን ኣብ ልዕሊ ሱዳን ጎሊሑ ዝንጸባረቕ እዩ። ብዘይካ’ዚ እቲ ኣብ ክልቲአን ሃገራት ዘሎ ሰፊሕ ማሕበራውን ቀቢላውን ምትእስሳር፡ ነዚ ተሪር መሰረት ዘለዎ ዝምድና’ዚ ዝያዳ ብምዕማቚ፡ ክንዮ ዝምድና መንግስታት ናይ ህዝብታት ጥምረት ከም ዝኸውን ገይሩዎ እዩ።
ሓባራዊ ምክብባር ዝሰረቱ ፖለቲካዊ ውህደት
ብፖለቲካዊ መዳይ፡ ኣብ መንጎ ካርቱምን ኣስመራን ዘሎ ዝምድና፡ ብፍላይ ንሓባራዊ ረብሓ ኣብ ዘገድሱ ዞባዊ ጉዳያት፡ ብልዑል ደረጃ ምርድዳእን ምውህሃድን ዝልለ እዩ። ኤርትራ ኣብ ምኽባር ልኡላውነትን ግዝኣታዊ ሓድነትን ሱዳን መሰረት ዝገበረ፡ ንምትእትታው ግዳማዊ ሓይልታት ኣብ ውሽጣዊ ጉዳያት ሱዳን ዝነጽግ፡ ነቕ ዘይብል መርገጺ ዘለዋ ሃገር እያ። ከም ውጽኢቱ፡ ዝተሓላለኸ ጸጥታውን ፖለቲካውን ብድሆታት ቀርኒ ኣፍሪቃ ንምፍታሕን ዞባዊ ርግኣት ንምምጻእን ኣብ ዝካየድ ጻዕሪ ሱዳን ንኤርትራ ከም እምንቲ መሻርኽቲ እያ ትርእያ።
ኤርትራ – መሪሕነታን ህዝባን – ኣብዚ ሕጂ ኣብ ሱዳን ንሃገራዊ ክብረት ዝካየድ ዘሎ ኲናት፡ ንህዝቢ ሱዳን ዝድግፍ ታሪኻውን ቅኑዕን መርገጺ እዮም ወሲዶም። እዚ ብቀጥታዊ መሪሕነት ክቡር ፕረዚደንት ኢሳይያስ ኣፈወርቂ ኣቢሉ ክግለጽ ዝጸንሐ፡ ግዝኣታዊ ሓድነትን ልኡላዊ ረብሓታትን ሱዳን ንክዕቀብ ዝጽውዕ ቅኑዕ መርገጺ ህዝብን መንግስትን ኤርትራ፡ ምዕቡልን ፍሉይን ኮይኑ፡ ሕውነትን ልዑል ናይ ምትሕግጋዝ መንፈስን ናይ ክልቲኡ ህዝብታት ዘንጸባርቕ እዩ።
ጸጥታዊ ሽክርነት ኣብ ህዉጽ ዞባ
ኣብ ግንባር ጸጥታ፡ ኣብ መንጎ ሱዳንን ኤርትራን ዘሎ ምትሕግጋዝ፡ ኣብቲ ንኣማኢት ኪሎ ሜተራት ዝዝርጋሕ ሓበራዊ ዶብ ሓደ ካብ ቀንዲ ኣዕኑድ ምርግጋእ ኮይኑ ይርከብ። ኣብ ጸጥታዊ ጉዳያት ዘሎ ምውህሃድን ምልውዋጥ ሓበሬታን፡ ስግረ ዶባዊ ውጉዝ ንጥፈታት ንምቁጽጻር፡ ዘይሕጋዊ ስደት ንምቅላስ፡ ካብ ሕጊ ወጻኢ ኣብ ከባቢ ዶባት ንዝንቀሳቐሱ ዕጡቓት ጉጅለታትን ሚሊሻታትን ኣብ ምቁጽጻርን ምግታእን ልዑል ግደ ይጻወት ኣሎ። ኣገዳስነት ናይዚ ምትሕግጋዝ’ዚ፡ ኣብቲ ‘ጸጥታ ናይ ሓደ ወገን ካብቲ ናይ ካልእ ወገን ተፈልዩ ዝርአ ኣይኮነን’ ዝብል ኣብ ክልቲአን ሃገራት ዘሎ ሓበራዊ መረዳእታ ዝያዳ ጎሊሑ ዝርአ እዩ።
ትስፉው ቁጠባዊ ደረተ- ትርኢት
ኣብ ቁጠባዊ መዳይ፡ ኣብ መንጎ ሱዳንን ኤርትራን ዘሎ ዝምድና ገና ብምልኣት ክንጥቀመሉ ዘለና ዓበይቲ ዕድላት ዝሓቘፈ እዩ። ሱዳን ሰፊሕ ናይ ሕርሻ፡ መፍረ እንስሳን ማዕድናትን ሃብቲ ዘለዋ ሃገር እያ። እዚ ምስቲ ኤርትራ ኣብ ቀይሕ ባሕሪ ዘለዋ ስትራተጂያዊ ኣቀማምጣን ኣገደስቲ ወደባታን ካልእ ብዙሕ ጸጋታታን ተደሚሩ፡ ንሓቀኛ ቁጠባዊ ውህደት ጽኑዕ መሰረት ዝፈጥር እዩ። ካብን ናብን ንግዳዊ ንጥፈታት ምክያድ፡ ምትእስሳር ኣገልግሎት መጐዓዝያ፡ ትግባረ ሓበራዊ ወፍሪ፡ ንረብሓ ክልቲኦም ህዝብታት ዘገልግል ሰፊሕ ናይ ልምዓት ኣድማስ ዝኸፍት እዩ።
ኣገዳስነት ዝምድና ሱዳንን ኤርትራን ኣብ ሰብኣዊ መዳይ፡ ንክልቲአን ሃገራት ኣብ ዘጋጠመን ብድሆታት ብንጹር ተራእዩ እዩ። ኣብ እዋን ቃልሲ ንናጽነት ኤርትራ፡ ሱዳን ንዓሰርተታት ዓመታት ብዝሒ ዘለዎም ኤርትራውያን ኣዕቊባ እያ። ኤርትራ ብግደኣ፡ ኣብ ዝተፈላለየ ናይ ጸገም እዋናት፡ ደገፋን ምድንጋጻን ምስ ህዝቢ ሱዳን ኣርእያ እያ። እዚ፡ ካብ ጽኑዕ እምነት ኣብ ሓባራዊ መ ጻኢ ዝብገስ እዩ።
ኣብ ልዕሊ ሱዳን ዝተስገደደ ኲናት ስዒቡ፡ ኤርትራ ማዕጾኣ ንዜጋታት ሱዳን ክፉት ገይራቶ እያ። ፕረዚደንት ኢሳይያስ ኣፈወርቂ፡ ሱዳናውያን ዝኾነ ይኹን ዘለዎም መለለዪ ሰነዳት ተጠቒሞም፡ ብዘይ ዕንቅፋትን ምትሕልላኽን ናብ ኤርትራ ክኣትዉን ክቕመጡን መምርሒ ምሃቡ ይፍለጥ። እዚ ክቡር ሰብኣዊ መርገጺ’ዚ፡ ዕምቈት ናይቲ ኣብ መንጎ ክልተ ኣሕዋትን ኣዕሩኽን ህዝብታት ዘሎ ምትእስሳር ዘጉልሕ እዩ።
ናብ ዘላቕን ስትራተጂያውን ሽርክነት
ዝምድናታት ሱዳንን ኤርትራን፡ ብታሪኻዊ ውርሻኡ፡ ፖለቲካዊ እምነቱ፡ ከምኡ’ውን ብጸጥታውን ቁጠባውን ተማላላእነቱ ተሰንዩ፡ ካብቲ ልምዳዊ ናይ ምትሕግጋዝ ኩነት፡ ናብ ኩሉ መዳያዊ ስትራቲጂያዊ ምሕዝነት ንምስግጋር ዘኽእሎ ድልዱል መሰረት ሒዙ ይርከብ። ነዚ ንምዕዋት፡ ኣብቲ ብመሪሕነት ክልቲአን ሃገራት ዝንጸባረቕ ዘሎ ጽኑዕ ፖለቲካዊ ድልየት ዝሰረተ፡ ትካላዊ ዘተ ብምክያድ፡ ናይ ምትሕግጋዝ ዓውድታት ምስፋሕ የድሊ። ኣብዚ ሕጂ ዘሎ ዞባውን ኣህጉራውን ብድሆታት፡ ኣብ መንጎ ሱዳንን ኤርትራን ዘሎ ዝምድና፡ ሰናይ ጉርብትናን ሓባራዊ ምክብባርን፡ ካብ ክልቲአን ሃገራት ሓሊፉ ብደረጃ መላእ ቀርኒ ኣፍሪቃ ከመይ ገይርካ ንጹህን ሓቀኛን ርግኣት ምፍጣር ከም ዝከኣል ህያው ግብራዊ ኣብነት እዩ።
መደምደምታ
ዝምድናታት ሱዳንን ኤርትራን፡ ብታሪኻዊ ድሕረ ባይታኡን ዳይናሚክነቱን፡ ካብቲ ልሙድ ክልተኣዊ ርክባት፡ ናብ ጂኦፖለቲካዊ ሽርክነት ምስ መዋቕራዊ መዳያቱ ተሰጋጊሩ ይርከብ። እዚ ምሕዝነት’ዚ፡ ብጂኦፖለቲካዊ ረቛሒታትን፡ በቲ ኣብ ቀርኒ ኣፍሪቃን ቀይሕ ባሕርን ዘሎ ተለዋዋጢ ዞባዊ ጸጥታዊ ሃዋህውን ዝተቐረጸ እዩ። ኣብ ምኽባር ሃገራዊ ልኡላውነት፡ ምንጻግ ግዳማዊ ሕንከራ፡ ምምካት ዘይቀጥታዊ ምትእትታዋት ብዝምልከት ዘሎ ስምረት ናይ ኣረኣእያታት ከኣ፡ ነዚ ዝምድና’ዚ ሓደ ካብ ኣዕኑድ ሓለውቲ ሚዛን ዞባና ገይሩ ኣደልዲሉዎ ኣሎ። እዚ ምሕዝነት’ዚ ብተወሳኺ፡ ጸጋታት ሱዳንን ስትራተጅያዊ ባሕራዊ ቦታ ኤርትራን ብምውህሃድ፡ ብሰፊሕን ተመላላእን ኣቀራርባ፡ ልምዓትን ቁጠባዊ ናጽነትን ንምድልዳል በሪ ዝኸፍት እዩ።
ኣብ መንጎ ሱዳንን ኤርትራን ዘሎ ምሕዝነት፡ ነቲ ህልው ዞባዊ ናይ ርግኣት ኩነታት ዳግም ኣብ ምቕራጽ፡ ፍታሕ ናይ ቅልውላዋት ካብ ውሽጢ’ዚ ዞባ ከም ዝመጽእ ብምግባር፡ ንዞባዊ ርግኣትን ረብሓ ህዝብታት ናይ’ዚ ዞባን ናብ ዘገልግል ስትራተጂያዊ ጸጋ ዘሰጋግር እምነ-ኩርናዕ እዩ።

