“ፈንቅል፡ ንወለዶታት ሓላፍነት ዘሰክም ዝኽሪ’ዩ” ወ/ሮ ዘይነብ ዑመር
ክቡራት ኣንበብቲ ጋዜጣ ሓዳስ ኤርትራ፡ ዘለናዮ ቅንያት ዝኽሪ ስርሒት ፈንቅል ንምጽንባል ምሽብሻብ ዝግበረሉ ዘሎ እዋን ኮይኑ፡ ብዛዕባ ምድላዋቱ ኣመልኪትና ምስ ኣደ- መንበር ኣወሃሃዲት ሽማግለ እቲ በዓል ወ/ሮ ዘይነብ ዑመር ቃለ-መጠይቕ ኣካዪድና ኣለና፤ ሰናይ ንባብ።
– ናይ ሎሚ ዓመት ዝኽሪ ስርሒት ፈንቅል ንምጽንባል ዝካየድ ዘሎ ምድላዋት ከመይ ይመስል፧ ተሓርዩ ዘሎ ሃገራዊ ጭርሖ’ኸ እንታይ እዩ፧
ናይ ሎሚ ዓመት በዓል ዝኽሪ ስርሒት ፈንቅል “ቅያ ፈንቅል ንወለዶታት” ኣብ ትሕቲ ዝብል ሃገራዊ ቴማ ካብ ዕለት 13 ክሳብ 14 ለካቲት 2026 ክበዓል እዩ። እዚ ክኸውን እንከሎ፡ ዓሚ ዝጀመርናዮ ሓደ መደብ’ውን ኣሎ። ካብ 12 ክሳብ 16 ለካቲት ዝቕጽል ክፉት ምርኢት ኤግዝብሽን ክህልወና እዩ። ሓደ ካብ’ቲ ብዙሕ ምድላዋትን ጻዕርን ዝተገብረሉ መደባት እዩ። ብፍላይ ናይ ሎሚ ዓመት ዝኽሪ ስርሒት ፈንቅል ድምቀት መታን ክህልዎ ካብ 28 ክሳብ 31 ጥሪ ዝቐጸለ ብሃ.ማ.መ.ተ.ኤ ዞባ ሰሜናዊ ቀይሕ ባሕሪ ዝተዳለወ ውዕውዕ ቅነ-መንእሰያት ከም ዝካየድ ተገይሩ እዩ። እዚ መደባት’ዚ ምስ ጽንብል ፈንቅል ተታሓሒዙ ዝግበር ዘሎ ኰይኑ፡ ዓቢ ትርጉም ዘለዎ ባህላውን ስነ-ጥበባውን፡ ስፖርታውን ትምህርታውን ውድድራት ሓቊፉ ዝተሰላሰለ መደብ እዩ። ካብ ን/ዞባታት ኣዶብሓ፡ ቅሮራ፡ ናቕፋ፡ ኣፍዓበት፡ ሽዕብ፡ ጊንዳዕ፡ ፎሮ፡ ባጽዕ፡ ገለዓሎ ዝተዋጽኡ ኣስታት 500 መንእሰያት ዝተሳተፍዎ ድሙቕ ቅንያት ድማ ነይሩ። ዓሚ’ውን ኣብታ ርእሰ ከተማ ሰውራና ዝዀነት ከተማ ናቕፋ ተኻይዱ ከም ዝነበረ ይዝከር። እዚ ኣብ’ዚ ቅንያት ዝተገብረ መደባት ከኣ፡ ከም መኽፈትን ኣካልን እቲ በዓል ኰይኑ ንኽኸይድ ዝተገብረ እዩ። ምኽንያቱ መንእሰያት፡ ኣብ ሓድሕዶም ተመኩሮኦም ንኽለዋወጡን ንኽላለዩን፡ ባህሎምን ታሪኾምን ፈሊጦም ንኽዕቅቡዎ ዝግበር መደባት እዩ። ዝኽሪ በዓል ፈንቅል’ውን ብቐንዱ ንሓደስትን መጻእትን ወለዶታት ነዚ ሓላፍነት ዘሰክም እዩ።
ብዛዕባ ምድላዋት እዚ በዓል እንተደኣ ኰይኑ፡ ዝተፈላለዩ መደባት ኣዳሊና ኣለና። ገለ ካብኡ ንምጥቃስ እምበኣር፡ ዝተፈላለየ ትሕዝቶታት ዝሓቖፈ ምርኢት ኤግዝብሽን ኣሎ። እዚ ምርኢት እዚ ኣብ ውሽጢ እዚ ዞባ ዘለዋ ትካላት መንግስቲ ኩለን ዝሳተፋኦ መደብ እዩ። እዚ ከኣ ዜጋታትና ንዘለዎም ፍርያት ዝላልይሉ መደብ እዩ። እቲ ዞባ ኣብ ውሽጢ ዓመት ዝሰርሖምን ዝዓመሞምን መደባት እንታይ ይመስሉ ሓድሽ ነገራት እንተሎ እዚ ብምልኡ ኣብ’ቲ ኤግዝብሽን ተዳልዩ ኣሎ። ካልእ ብሚ/ሪ ምክልኻል ዝካየድ መደባት’ውን ኣሎ። ሓደ ካብ’ቲ ዘቕርብዎ ዓበይቲ መደባት ምርኢት ኤግዝብሽን እዩ። ኩለን እዚታት ሓይልታት ምክልኻል ኤርትራ ነናተን ትሕዝቶታት ከቕርባ እየን። ሓይሊ ባሕሪ ኤርትራ’ውን ብተመሳሳሊ ከምኡ። እዚ ሓደ ካብ’ቲ ተቐሪቡ ዘሎ መደባት እዩ።
ካልእ ዝዓበየ ንድምቐት እዚ በዓል ካብ ዝተዋደዱ መደባት፡ ስፖርታዊ ንጠፈታት’ውን ኣለና። ስለስተ ዓበይቲ ሃገራዊ ፈደረሽናት ኣብ’ዚ መደባት ይሳተፋ ኣለዋ። እተን ፈደረሽናት፡ ፈደረሽን ብሽግለታ፡ ኣትሌትሊክስ፡ ኩዕሶ እግሪ ብምኽንያት እዚ በዓል መደባተን ኣዳልየን ኣለዋ። ኣብ ዕለት 7- 8 ለካቲት ሓሙሽተ ዞባታት ዝሳተፍኦ ቅድድም ብሽግለታ ኣሎ። ብሃገር ደረጃ ዝተሰርዐ ናይ ተቐዳደምቲ ጁንየር ዳኮርሶ’ውን ኣሎ። ኣብ’ዚ ውድድር’ዚ 150 ደቂ ተባዕትዮን 16 ደቂ-ኣንስትዮን ስፖርተኛታት ክሳተፉ እዮም። ኣብ’ታ ቀዳመይቲ መዓልቲ፡ ደቂ-ተባዕትዮ ባጽዕ ጊንዳዕ ባጽሒካ ባጽዕ ምምላስ ኣሎ። ናይ ደቂ ኣንስትዮ ከኣ ባጽዕ- ጋሕቴላይ- ባጽዕ ተታሒዙ ዘሎ መደብ እዩ። 8 ለካቲት ድማ ኣብ ውሽጢ ባጽዕ ዝካየድ ኰይኑ፡ ደቂ- ተባዕትዮ 110 ኪ/ሜ ደቂ ኣንስትዮ ድማ 70 ኪ/ሜ ውድድራት ክካየድ እዩ ማለት እዩ። ስለ’ዚ በዚ ኣጋጣሚ ኩሉ ኣፍቃሪ ስፖርት ነዚ መደባት እዚ ክካታተሎን ንተወዳደርቲ ደገፍ ክገብረሎምን ከዘኻኽር እፈቱ። ብፍላይ ህዝቢ ከተማ ባጽዕ ከኣ፡ እዚ ዓቢ መደብ ኣብ ከተማና ይካየድ ልሰዘሎ ንስፖርተኛታት ከተባብዕን ክዕዘቦን እጽውዕ። እቲ ካልኣይ መደብ ውድድር ፍርቂ ማራቶን ጉያ ኣትሌትልኪስ እዩ። እዚ ዓመታዊ ዝካየድ መደብ ኰይኑ፡ ዕለት 13 ለካቲት ኣብ ውሽጢ ከተማ ምጽዋዕ ክካየድ እዩ። ኣብዚ መደብ እዚ ድማ፡ ኤርትራ እትርከበን 5 ሃገራት ክሳተፋ እየን። ከንያ፡ ኡጓንዳ፡ ታንዛንያ፡ ደቡብ ሱዳን እየን። እዚ ናይ ደቂ-ተባዕትዮ ክኸውን እንከሎ፡ ናይ ደቂ ኣንስትዮ ድማ፡ 10 ኪ/ሜ ተዳልዩ ኣሎ። ኣብ’ዚ ውድድር’ዚ፡ ኣስታት 160 ተወዳደርቲ ኣለውና። ካልእ ብዞባ ደረጃ ተሰርዑ ዘሎ መደብ እዚ ናይ ማስ ስፖርት እንብሎ እዩ። ኣብ’ዚ መደብ እዚ ከኣ፡ ኩሉ ኣፍቃሪ ስፖርት ክሳትፍ እዕድም። ብተወሳኺ፡ ብፈደረሽን ኩዕሶ እግሪ ኣብ ዞባና ዝካየድ ካብ 5 ለካቲት ዝጅምር ኣብ መንጎ 8 ክለባት ውድድር ክካየድ እዩ። እተን ኣርባዕተ ን/ዞባታት ኣፍዓበት፡ ናቕፋ፡ ፎሮ፡ ጊንዳዕ ክዀና እንከለዋ፡ ምስአን ተወሳኺ ክለብ ሓይሊ ባሕሪ ኤርትራ፡ ክለብ ሓይሊ ኣየር ኤርትራ፡ ክለብ ተወርዋሪ እዚ፡ ክለብ ሺመንቶን ክወዳደራ እየን። እዚ ውድድር’ዚ ድማ፡ ካብ 5 ለካቲት ክሳብ 15 ለካቲት ዝቕጽል ኰይኑ መዛዘሚ ናይ’ቲ ቅንያት ክኸውን እዩ።
– ቀጽሊ፡
ካልእ ብሃገር ደረጃ ዝተሰርዐ መደባት’ውን ኣለና። ካብ 26 ለካቲት ዝጅምር ኩለን ዞባታት ሃገርና ዝሳተፍኦ ኣብ’ቲ ኣብ ገምገም ባሕርና ዝተደኰነ ሓዲሽ መጻወቲ ሜዳ ዝተሰርዐ ውድድር ኩዕሶ እግሪ ክካየድ እዩ። እዚ ምስ መደባት ዝኽሪ ስርሒት ፈንቅል ተኣሳሲሩ ዝኸይድ እዩ። ናይ ምሕንባስ መደባት’ውን ካብቶም ህዝቢ ብሃንቀውታ ዝጸብዮ’ሞ ተዳልዩ ዘሎ መደብ እዩ። እዚ መንእሰያት ዝሳተፍዎ ኰይኖም ናይ ጀላቡን ቅጽበታዊ ውድድር ናይ ምሕንባስን ዘጠቓለለ ኰይኑ 15 ለካቲት ክካየድ እዩ።
ካልእ ብዓብይኡ ኣብ’ቲ ጽንብል ናይቲ ዝኽሪ ዝካየዱ ባህላውን ስነ-ጥበባውን መደባት’ውን ተሰሪዖም ኣለው። እዚ ንግጥምታት፡ ደርፍታት ምስ ትልሂታቱ ተሰንዩ ዝቐርብ እዩ። እዚ ሰፊሕ ምድላዋት ተገይርሉ ዝዳሎ ዘሎ መደባት ድማ እዩ። ካልእ ዝዓበየ ናይ ባዛር መደባት እዩ። ኣብዚ ቦታ ዘለዋ ትካላት ትሕዝቶታተን ዘፋልጣሉ ዝተዳለወ መደብ ኣሎ። ኮማዊ ዳሳት’ውን ኣካል ናይቲ ዝዓበየ መደባት ዝኽርን ክብርን እዚ በዓል እዩ። እዚ 15 ለካቲት ዝካየድ ኰይኑ፡ ኩለን ምም/ከባቢታት ን/ዞባ ምጽዋዕ ዘካይዶ ናይ ኮማዊ ጓይላ ጽንብላት እዩ። ብሓፈሻ ከተማና ክሕልቲ መርዓት መሲላ፡ ብሕብራዊ መብራህቲ ደሚቓ ኣጋይሻ ንምቕባል ትጽበ ኣላ።
– ኣብ’ዚ ናይ ሎሚ ዓመት ከም ፍሉይነት ዝተዳለወ መደብ ኣሎዶ፧
ናይ ሎሚ ዓመት ዝያዳ ከም ፍሉይነት ክንጠቕሶ እንኽእል ኣብ’ቲ ስፖርታዊ መደባት ዝያዳ ኣተኲሮ ተዋሂብዎ ዝስራሓሉ ዘሎ መደባት እዩ። መደባትና ኣብ’ዚ ከም ዝሕይል ገይርናዮ ኣለና። ካልእ ሃገራዊ ውድድር ኩዕሶ እግሪ ኣብ ዝሓለፈ ዓመት ኣብ ከተማ ዓሰብ ኣካይድናዮ ነይርና፡ ሎሚ ዓመት ግን ኣብ’ዚ ኣብ ምጽዋዕ ክግበር እዩ። እዚ ከም ፍሉይነት ክንዛረበሉ ንኽእል ኢና። ካልእ ሚ/ሪ ምክልኻል ክሳብ 230 ስፖርተኛታት ዝሳተፍዎ ኣብ ገማግም ባሕሪ ናይ ቢች ቦሊቦል፡ ናይ ምሕንባስ፡ ናይ ጉያ መደባት’ውን ኣሎ። ካልእ ግን ከም ናይ ቀደሙ ዝተዳልወ ስሩዕ መደባት እዩ።
– ኣገዳስነት ስርሒት ፈንቅል፡ እንታይ እዩ ትብሊ፧
ስርሒት ፈንቅልኮ በሪ ናጽነት ዝኸፈተ፡ ተኣምራታዊ ስርሒት እዩ። ጸላኢ ናይ መወዳእታ ዕምሪ መግዛእቱ ዝተደርዓመሉ ደርማስ መጥቃዕቲን ዓወትን እዩ። ብሓጺሩ ጸላኢና ብጎረሮኡ ዝተታሓዘሉ፡ ህዝብና ዓቢ መቐይሮ ዝረኸበሉ ስለዝዀነ፡ በዓል ፈንቅል ኣብ ምዕራፍ ታሪኽ ህዝቢ ኤርትራ ዓቢ ኣገዳስነት ኣለዋ። ኣዚና እነኽብራ በዓልና እያ።
– ኣብ’ዚ ከይጠቐስናዮ ክንሓልፍ ዘይንደሊ ወ/ሮ ዘይነብ፡ ምስ ብዝሒ ነጋድያን ካብ ውሽጥን ወጻእን ስለዝመጹ፡ ጸገም ናይ ሆቴላት የጋጥም’ዩ እሞ ህዝቢ ንኸይሽገር ብዛዕባ’ዚ ዝተታሓዘ መደባት እንተሃልዩ ክትሕብርና፧
ጽቡቕ ኣለኻ እዚኣ ዓባይ ነጥቢ እንድያ። ንግደት ፈንቅል ካብ ግዜ ናብ ግዜ ቊጽሪ ነገድቱ እናበዝሑ ኣገዳስነቱ እናዓዘዘ እዩ ዝመጽእ ዘሎ። ወሓዚ ህዝቢ ካብ ውሽጥን ደገን ኣሎ። ብፍላይ ኣብ ወጻኢ ሃገር ዝቕመጥ ህዝብና ነዛ በዓል ካብ ነዊሕ ኣትሒዞም ብሃንቀውታ ዝጽበይዋ ስለዝዀነት፡ ብወገና ካብ ናይ ዓሚን ቅድሚኡን ተመኲርና ብዝሓሸ መንገዲ ምድላዋትና ኣጻፊፍና ንርከብ ኣለና። ብዘይካ እቲ ሆቴላት ከም ጌስት ሃውስ’ውን ተዳልዩ ንኽቅረብ ይግበር ኣሎ። እናተረዳዳእካ ዝፍታሕ ነገራት’ውን ብዙሕ ኣሎ። ህዝቢ ከተማ ምጽዋዕ ብባህሩ ተቐባሊ ጋሻ ብምዃኑ’ውን ጸገም ዝበሃል የለን። ይጥዓም ይሕሰም ህዝቢ ኤርትራ ሓቢሩ ስለዝጓዓዝ ጭዋ ባህሊ ስለዘለዎ ኣጋይሹ ክቕበል ተዳልዩ ኣሎ። በዚ ኣጋጣሚ ከኣ ህዝቢ ከተማ ባጽዕ ወትሩ ንዘርእዮ ክብርታቱ ክዕቅብን ኣጋይሹ ክቕበልን ከአንግድን በዚ ኣጋጣሚ ከዘኻኽር እደሊ።
– ህዝብና ዝያዳ ምስ ባሕሩ ንኽላለን ጸጋታትን ጽባቐን ባሕሩን ደሴታቱን ንኸስተማቕርን ክድህስስን ብፍሉይ ንህዝቢ ዝተዳለወ መደባት ኣሎዶ፧
ብዛዕባ እዚ ብዙሕ ምድላዋት ዝተገብረ ኣሎ። እዚ መደብ’ዚ ካብ ንጅምሮ ሎሚ ን5ይ ግዜኡ ክካየድ እዩ። ህዝቢ ብመርከብ ገይሩ ብርታዓዊ ዋጋ በጺሑ ንኽምለስን ጸጋታት ባሕሩ ዘስተማቕርሉ መደብ ተዳልዩ ኣሎ። እዚ ከኣ ኣብ ውሽጢ ባሕሪ ኣብ ደሴታት በጽሒካ ምምላስ ዝግበር ዑደት እዩ። እዚ ጥራሕ ዘይኰነ፡ ካልእ ህዝቢ ዝሳተፎ ዓበይቲ ሰሚናራት’ውን ተዳልዩ ኣሎ። ገሊኡ ብማንዛ ዝግበር እዩ። ን13 ለካቲት ዝቐርብ እዩ። ንኽካታተልዎ ድማ ከዘኻኽር እፈቱ። ኣብ ውሽጢ መርከብ ክግበር ዝተዳለወ ሰሚናር ውን ኣለና። ሕቶታት መልሲ ኣብ መስመር እውን ብኣጋጣሚ እዚ በዓል፡ ካብዚ ካብ ወደባዊት ከተማና ክትፍኑ ከም መደብ ናይ’ቲ በዓል ሒዝናዮ ኣለና።
– ፈንቅል ሃገራዊ በዓል ብምዃኑ ርዝነቱ ብኸመይ ትገልጽዮ፧
እወ፡ እዚ በዓል’ዚ፡ ህዝቢ ኤርትራ ምሉእ ኣብ ውሽጥን ኣብ ደገን ብሃንቀውታ ዝጽበዮ ሓደ ካብ ክቡራት በዓላትና እዩ። ርዝነት በዓል ፈንቅል ዓቢ እዩ። ዓርሞሾሽ ስርዓት ደርግ ምስ ምሉእ ኣጽዋሩን ሓይሉን፡ መራኽቡን ታንክታቱን መዳፍዑን ዝተሳዓረሉ እዩ። እዚ እቲ ዝዓበየ ዓወት ህ.ግ እዩ። ፈንቅል ጸላኢና ዝተሰዓረሉ ብምዃኑ ዓቢ ሃገራዊ በዓል ይገብሮ።
እንታይ ይመስለካ መንእሰይ ተረካቢ ዓዲ እዩ። ዝያዳ እቲ ሓላፍነት ንዐኡ እዩ ዘሰኩሞ። ኣብ’ዚ ዝተኻየደ ቅነ-መንእሰያትን በዓል ፈንቅልን ከኣ፡ ነዚ ዝተገልጸ ቴማ ዝድርዕ እዩ። ኩሉ መጻኢ ዕድላትን ምዕባለን ድማ፡ ንመንእሰያት መጻእቲ ወለዶታት እዩ። ዝያዳ ሓለዋን ምክንኻን መሬቶም ባሕሮምን ድማ፡ ንመንእሰያት ዝምልከት እዩ። ስለ’ዚ ንመንእሰያት ዘሰኩሞም ሓላፍነት ረዚንን ዕዙዝን እዩ።
ርሑስ ቅንያት ፈንቅል!
#Eritrea


