‘ክለባት ኣንበብትን መሃዝትን ምስሳን፡ ምህናጽ መሰረት ምዕባለ’
ቤቲኤል ሰሎሞን
ንባብ ከም ኣካል ጠለባት ወዲ ሰብ ንኣእምሮና ዘገድስ ባእታ እዩ። ሓደ ሰብ ጫፍ ድሌታቱ ንኽበጽሕ መሳልል ኮይኑ ከደይቦ ይኽእል። ናይ ንባብ ባህሊ ዘለዎ ሕብረተሰብ ኣብ ዕብየትን ምዕባለን ሃገር እጃሙ ልዑል እዩ። ስለዝኾነ፡ ኣብ ሕብረተሰብ ባህሊ ንባብ ንምስራጽ፡ ብደረጃ ውልቀ-ሰብ ዝፍልም እናዓበየ ዝኸይድ፡ ግደን ኣበርክቶን ኩሉ ኣካል ክህሉ የድሊ።
ዘንብብ ሰብ ሓደስቲ ነገራት ናይ ምፍታን ይኹን ምምሃዝ ዓቕሚ ክህልዎ’ውን ይሕግዝ እዩ። ምምሃዝን ምስናዕን ከኣ ናብ ምዕባለ ዝመርሕን ምስዛ ንግሆ ንግሆ ብተክኖሎጂ ትለዋወጥ ዘላ ዓለም ክትወዳደር ዝሕግዝን ብምዃኑ ዘይንዓቕ ኣበርክቶ ኣለዎ። ነዚ ተመላላኢ ረቛሒታት ኣብ መንእሰያትን ተመሃሮን ወፍሪ ብምግባር ብውልቅን ጕጅለን ዝዓብየሉ ባይታ ምፍጣር ኣገዳስነቱ ዕዙዝ እዩ።
ናይ መንእሰያት ተመሃሮን ብዝያዳ ሓላፍነት ተሰኪሙ ኣብ ምዅስኳስን ምህናጽን ልዑል ወፍሪ ዘካይድ ዘሎ፡ ሃማመተኤ እዩ። ሃማመተኤ ጨንፈር ዞባ ዓንሰባ ከኣ መቐጸልታ ናይቲ ዓመታዊ ዘካይዶ ባህሊ ንባብ ንምዅስኳስ፡ መሃዝትን ሰናዕትን መንእሰያት ንምዕባይ ዘተኰረ መደብ፡ ሎሚ ዓመት’ውን ብፍልይ ዝበለ መልክዕ፡ ማንታ መደብ ኣብ ሓደ እዋን ኣካይዱ።
እቲ “ክለባት ንባብን መሃዝነትን ነሰስን” ኣብ ትሕቲ ዝብል ቴማ ዝተኻየደ መደብ፡ ካብ 21 ለካቲት ክሳብ 2 መጋቢት እዩ ተቓኒዑ። ቅነ መሸጣን ምርኢት መጽሓፍትን ንመበል ሓምሻይይ ግዜኡ ክካየድ ከሎ፡ ምርኢት ምህዞን ሰንዓን ከኣ ንካልኣይ ግዜኡ እዩ። ኣብ ንኡስ ዞባ ከረን ጥራይ ተሓጺሩ ዝጸንሐ መደብ፡ ናብ ንኡሳን ዞባታት ንምውራድ ብዝወጽአ መደብ መሰረት፡ ኣብ ጸሊም ጽርግያ ተደኲነን ኣብ ዝርከባ ንኡሳን ዞባታት ዓዲ-ተከሌዛን፡ ዒላበርዕድ ከምኡ’ውን ሓጋዝ ክካየድ ብምኽኣሉ፡ እቲ ካልእ ፍሉይነት ናይዚ ቅነ እዩ ነይሩ።
እዚ ቅነ ብ21-22 ለካቲት ኣብ ንኡስ ዞባ ዓዲ-ተከሌዛን ፈሊሙ፡ 23-24 ለካቲት ኣብ ንኡስ ዞባ ዒላበርዕድ፡ 25-26 ለካቲት ኣብ ንኡስ ዞባ ሓጋዝ ቀጺሉ። ብ27 ለካቲት ኣብ ሰዓታት ድሕሪ ቀትሪ፡ ኣብ ከተማ ከረን ወግዓዊ መኽፈቲ ሓምሻይይ ቅነ መጽሓፍትን ዞባዊ ምርኢት ምህዞን ሰንዓን ከኣ ብርክት ዝበለ ተሳታፊ ኣብ ዝተረኽበሉ ብኣማሓዳሪ ዞባ ዓንሰባ ኣምበሳደር ዓብደላ ሙሳ ተኸፊቱ።
ሃማመተኤ ነዚ ቅነ መጽሓፍትን ምርኢት ምህዞን ሰንዓን ንምዕዋት፡ ምስኡ ተሳንዩ ዝኸይድ ተወሳኺ ንጥፈታት የካይድ እዩ። ሰሚናር፡ ኣስተምህሮ፡ ምምራቕ ሓደስቲ መጽሓፍቲ፡ ተመኵሮ ናይ ምልውዋጥ መድረኽን ካልእን ካብቶም ዝውቱራት መደባት እዮም። ኣብዚ ናይ ሎሚ ዓመት’ውን ብተመሳሳሊ ጎስጓስ ኣብ ተመሃሮ፡ ንዕቤት ባህሊ ንባብ ዝሕግዝ ኣስተምህሮ፡ ምምራቕ ሓደስቲ መጽሓፍቲ ህጻናት፡ ከምኡ’ውን ተመኵሮ ትምህርቲ ኣብ ገድሊ ብዝብል ኣርእስቲ ምስ መምህራን ዘተ ተኻይዱ ነይሩ።
ምስ ምዕባይ ባህሊ ንባብ ተሳንዩ ዝኸይድ፡ ሓደስቲ ዝንበቡ መጽሓፍቲ ናብ ኣንባቢ ምቕራብ ናይ ደረስቲ ዕማም እዩ ዝኸውን። ኣብ ዝሓለፈ ኣርባዕተ ዓመታት ቅነ መጽሓፍቲ’ውን ዝተፈላለየ ትሕዝቶ ዝርከቦ መጽሓፍቲ ተመሪቑ እዩ። ኣብታ ወግዓዊ ቅነ ዝተኸፍተላ መዓልቲ ድማ ኣብ ሰዓታት ድሕሪ ቀትሪ ብደራሲ ኣዛዚ በረኸትኣብ ዝተጻሕፋ ክልተ ናይ ህጻናት መጽሓፍቲ ተመሪቐን ነይረን። እዚ ምስ ቅነ መሸጣን ምርኢትን መጽሓፍትን ተጣሚሩ ዝካየድ ምምራቕ መጽሓፍቲ፡ ነቲ እናዓበየ ዝመጽእ ዘሎ ልምዲ ንባብ ንጸሓፍቲ ሞራል ዝህብ ምዃኑ ተገሊጹ።
ብ1 መጋቢት ኣብ ንኡስ ዞባ ከረን ንዝርከቡ መምህራን “ተመኵሮ ትምህርቲ ኣብ ገድሊ” ኣብ ትሕቲ ዝብል ኣርእስቲ፡ ናይ ዘተን ምውርራስ ተመኵሮን ተኻይዱ ነይሩ። ህዝባዊ ግንባር ምጥፋእ መሃይምነት ብዕቱብ ሒዙ ይሰርሓሉ ኣብ ዝነበረሉ መድረኽ፡ ኣብ ቤት ትምህርቲ ሰውራን ኣብ ሓራ መሬትን መምህራን ብምሉእ ተወፋይነት ይሰርሑ ምንባሮም፣ ካብቶም ብኣካል መምህራን ኮይኖም ዝዓዩ ዝነበሩ ዝቐረበ ምስክርነት እዩ። ነዚ ናይ ሎሚ ትምህርቲ መሰረት ኣብ ምትሓዝን ምዕዋትን ዝነበሮም ተራ ዘንጸባርቕ መብርሂታት ብሰፊሑ ንተሳተፍቲ ቀሪቡ።
ዓመታዊ ኣብዚ መደብ ዝሳተፉ ወነንቲ መሸጢ ናይ ጽሕፈት መሳርሒ፡ ኣብያተ-ንባብ፡ ደረስቲ፡ ከምኡ’ውን ካልኦት ግዱሳት ሒዘሞ ዝቐረቡ ዝተፈላለየ ናይ ኣካዳሚ፡ ልቢ ወለድ፡ ታሪኽ ሓዘል መጽሓፍትን መጽሄታትን ዘጣመረ መጽሓፍቲ ንምርኢት ቀሪቦም። ብኻልእ ወገን ድማ ብሰናዕትን መሃዝትን ዝተዳለወ መሳጢ ስርሓት ንተዓዘብቲ ቀሪቡ ነይሩ።
ብተዓዘብቲ ካብ ዝቐረቡ ርእቶታት፤ ቅነ መጽሓፍቲ ክሳብ ደረጃ ንኡስ ዞባታት ወሪዱ ክካየድ ምጅማሩ ኣዝዩ ዘተባብዕ ብምዃኑ፡ ምስ ዕቤቱን ዘለዎ ዝርግሐን ኣብ ግምት ብምእታዉ ትሕዝቶ መጽሓፍቲ ክዓቢ፣ ከምኡ’ውን እዚ ዕድላት ዘይረኸባ ንኡሳን ዞባታት ክበጽሐን፣ ባህሊ ንባብ ይኹን፡ መድረኽ መሃዝነት ክዓብየሉ ዝኽእል ገዚፍ ወፍሪ ስለዝኾነ፡ ሃማመተኤ ካብዚ ንላዕሊ ክብርትዕ ንላቦ፣ ክብሪ ዋጋታት ኣብ ግምት ክኣቱ፣ ከምኡ’ውን ዝሽየጡ መጽሓፍቲ ናይ ቋንቋ ዝርግሐ ክህልዎም፣ ዝፈሪ ምህዞን ሰንዓን ኣብ ባይታ ብግብሪ ዝቐርበሉ መንገዲ ብምፍጣር ሕብረተሰብ ተጠቃሚ ክኸውን፣ ኣብ ዓመት ሓንሳብ ጥራይ ክካየድ ውሑድ ብምዃኑ፡እንተ ተኻኢሉ ክልተ ወይ ሰለስተ ግዜ ዝካየደሉ መንገዲ ክፍጠር ኣለዎ፣… ዝብል ኣተባባዕን ሃናጽን ርእይቶታት ቀሪቡ ነይሩ።
ኣብ መሸጣ መጽሓፍቲ ዓመታዊ መጽሓፍቶም ሒዞም ዝሳተፉ ግዱሳት ብወገኖም፡ ህዝቢ ከተማ ከረን ነዚ ቅነ ብሃንቀውታ ከም ዝጽበዮ ሎሚ ዓመት ብግብሪ ከም ዝተመስከረ ብምጥቃስ፡ ብብዝሒ መጽሓፍቲ ከም ዝተሸጡን ገለ መጽሓፍቲ’ውን ከም ዝተወድኡን ብምሕባር፡ ኩለን ዞባታት ነዚ ቅነ ክሳብ ደረጃ ንኡስ ዞባ ብምትእትታው ኣብ ምዅስኳስ ባህሊ ንባብ እጃመን ከልዕላ ተማሕጺኖም።
ብ2 መጋቢት ኣብ ዝተኻየደ ናይ መዛዘምን ገምጋምን መደብ፡ ኣብ ኣርባዕተ ንኡሳን ዞባታት ዞባ ዓንሰባ፡ ብዝሒ ተሳተፍቲ ልዕሊ 19 ሽሕ ምንባሩ ተገሊጹ። ተመሃሮ፡ ህዝቢ፡ ሰራዊትን ሰራሕተኛታት መንግስትን ዘጣመረ እዚ ኣሃዝ፡ እቲ 80% ናይ ተመሃሮ ተሳትፎ ዝሓዘ እዩ። ምስ ዝሓለፈ ዓመት ክነጻጸር ከሎ ብብዝሒ መጽሓፍቲ ክሽየጥ ብምኽኣሉ፡ ሕብረተሰብ ነቲ ዓመታዊ ዝካየድ ቅነ ከም ባህሊ የስርጾ ምህላዉ ዘነጽር እዩ።
“ክለባት ኣንበብትን መሃዝትን ነሰስን ማለት፡ ንጽባሕ መሰረት ምዕባለ ዝኾነ መሰረታዊ ነገራት ንስራሕ ማለት’ዩ፡” ክብል ኣብ ናይ መዛዘሚ ስነ-ስርዓት ቃሉ ዘቕረበ ሓላፊ ሃማመተኤ ዞባ ዓንሰባ ኣቶ ኣዛዚ በረኸተኣብ እዩ። ሃማመተኤ ኣብ መንእሰያትን ተመሃሮን ኣተኲሩ ዝሰርሕ ከም ምዃኑ መጠን፡ እዚ ከምዚ ዝኣመሰለ ክለባት ብምቛም ብሞያንን ፍልጠትን ዝዓብይሉ ባይታ ንምፍጣር ዝዓለመ ምዃኑ ኣነጺሩ።
ሎሚ ዓመት ህንጡይነትን ውህደትን መሻርኽቲ፡ ከምኡ’ውን እቶም ንተመሃሮ ዘገድሱ መጽሓፍቲ ብብዝሒ ምቕራቦም፡ ነቲ መደብ ዕዉት ክኸውን ከም ዘኽኣሎ ዝገለጸ ኣቶ ኣዛዚ፡ ኣብ ኩለን ንኡሳን ዞባታት ኣዝዩ ዝነኣድ ተሳትፎ ተመሃሮ ክረኣዮ ከሎ። ውላዱ ሒዙ ዝመጽእ ወላዲ ከምቲ ዝድለ ብዘይ ምዃኑ ኣብ ቀጻሊ ኣተኲሮ ከም ዘድልዮ ኣብሪሁ። ኣብ መወዳእታ ድማ ንኹሎም ነቲ መደብ ዘዐወቱ ኣካላት ምስጋናኡ ኣቕሪቡ።
ምሪኢት ምህዞን ሰንዓን፡ ሎሚ ዓመት ንኻልኣይ ግዜኡ እዩ ዝካየድ ዘሎ። ነዚ ናይ ሎሚ ዓመት ዝቐረበ ምርኢት ምህዞን ሰንዓን ዝምልከት፡ ኣቦ መንበር ቦርድ ምህዞን ሰንዓን ኣቶ ኢስማዒል መሓመድኑር ኣብ ዘቕረቦ ጸብጻብ፡ ዕቤት መሃዝትን ሰናዕትን ብ22% ክብ ምባሉን ብእኡ መጠን ዕብየት ፍርያት’ውን ብ11% ምውሳኹ ኣብሪሁ። ብደረጃ ሃገር ቀሪቡ ዓቢ ለውጢ ክፈጥር ዝኽእል ዓበይቲ ምህዞታት ዝቐርበሉ መድረኽ፡ ተሳትፎ ንኡሳን ዞባታት ኣዝዩ ትሒቱ ምንባሩ ዝሓበረ ኣቶ ኢስማዒል ቈላሕታ ክግበረሉ መዘኻኸሪ ኣቕሪቡ።
“መሃዝትን ሰናዕትን ኢሂን ምሂን ዝበሃልሉ፡ ተመኵሮ ዝለዋወጥሉ መድረኽ ከፊትካ፡ ኣብ መነባብሮ ሕብረተሰብን ሃገርን ኣበርክቶ ዝገብር ንዋትን ሓሳብን ንምምንጫው ኣተኵሮ ዝገበረ እዩ፡” ዝበለ ኣቶ ኢስማዒል፣ ብደረጃ ሃገር ሰልጢኖም ዝመጽኡ መሃዝትን ሰናዕትን፡ ነዞም ሎሚ ተለልዮም ዘለዉ ንኣሽቱ ኣፍረይቲ ተመሃሮ ናይ ምስልጣን መደብ ከም ዘሎ፣ ከምኡ’ውን ማእከል መሃዝትን ሰናዕትን ንምኽፋት ብሓያል ምትብባዕ ኣማሓዳሪ ዞባ ዓንሰባ ኣምበሳደር ዓብደላ ሙሳ ተበጋጊሱ ምህላዉ ገሊጹ።
ኣማሓዳሪ ዞባ ዓንሰባ ኣምበሳደር ዓብደላ ሙሳ ኣብቲ ናይ ምዝዛም ኣጋጣሚ ኣብ ዘስምዖ ቃል፡ ሃማመተኤ ከየባተኸ ኣብ ምዅስኳስ ንባብን ምዕባይ መሃዝነትን ዓመታዊ ንዘካይዶ ዘሎ መደብ ብምምስጋን፡ “ድሕሪ ትምህርቲ ንባብ ወሳኒ እዩ፡” ክብል ድሕሪ ምጥቃስ፡ መረዳእታን ኣጠማምታን ወዲ ሰብ ብንባብ ስለ ዝዓቢ፡ መንእሰያት ይኹኑ ዓበይቲ፡ ናይ ንባብ ልምዲ ከዕብዩ ከም ዘለዎም ኣብሪሁ።
“ምህዞን ሰንዓን’ውን መሰጋገሪ ናብ ቴክኖሎጂ’ዩ፡” ዝበለ ኣምበሳደር ዓብደላ፡ ኣብ ምምሃዝን ምስናዕን ዓቕሚ ዘለዎም መንእሰያትን ተመሃሮን ኣለሊኻ፡ ኣብ ረብሓ ሃገርን ህዝብን ዝውዕለሉ መንገዲ ምፍጣር እዋኑ ብምዃኑ፡ ኣብ ቀረባ እዋን ኩሎም መሃዝቲ ተጠርኒፎም በብዓቕሞም ዝዓብይሉን ፍልጠት ዝቐስምሉን ማእከል ክድኰን ስለ ዝኾነ፡ ውህደት ኩሎም ኣካላት ክልዕል ከም ዘለዎ ኣገንዚቡ።
ኣብ መወዳእታ ድማ ንኹሎም ኣበርክቶ ዝነበሮም ኣካላት ናይ ምስጋና ሰርትፊኬት፡ ንተሳተፍቲ ናይ ምህዞን ሰንዓን ናይ ተሳትፎ ምስክር ወረቐት ብምዕዳል፡ ንብሉጻት ፍርያት ድማ ገንዘባዊ ሽልማት ካብ ኢድ ኣማሓዳሪ ዞባ ዓንሰባ ኣምበሳደር ዓብደላ ሙሳ ተቐቢሎም። ቀዳሞት ብሉጻት ሰለስተ ምህዞታት፡ ኣብቲ ብ21 መጋቢት ብደረጃ ሃገር ኣብ ጁኔር ክለብ ዝካየድ ውድድር ምህዞን ሰንዓን ክወዳደሩ እዮም።