እቲ ኻልእ ገድሊ ንናጽነት
መሓመድ እድሪስ
ኣብ ዝሓለፉ ሕታማት ጋዜጣ ሓዳስ ኤርትራ፡ ‘ሃገራዊ ባህልና ይዓንብብ’ ብዝብል ቴማ ነቲ ኣብ መስከረም 1987 ኣብ ሜዳ ዓሬርብ ዝተኻየደ ብባህላዊ ቅነ ዝፍለጥ ቀዳማይ ፈስቲቫል ሰውራ ኣብ ሜዳ፡ ከምኡ’ውን እቲ ድሕሪኡ ዝሰዓበን ብተኸታተሊ ዝቐርብ ዝነበረን ንጕጅለ ባህሊ ቀያሕቲ ዕንባባ ዝምልከት ርኢና ነይርና። ካብዚ ቀጺሉ ድማ፡ እተን ኣብ ሜዳ በብእዋኑ ኣብ ግንባርን ደጀንን ዝስስና ዝነበራ ጕጅለታት ባህሊ ካብ ውቅያኖስ ትሕዝቶኡ ብጭልፋ ዓቂንና ቁሩብ ክንርኢ ክንፍትን ኢና። ንሎሚ ድማ ኣቃውማ ጕጅለታት ባህሊ ሰውራ ብሓፈሻ እንታይ ይመስል ከም ዝነበረ ምርኣይ ኣገዳሲ’ዩ።
በተን ኣብ 70ታት በብእዋኑ ዝዕንብባ ዝነበራ ጕጅለታት ባህሊ፡ ጐድኒ ጐድኒ እቲ ኣብ ሜዳ ብህዝባዊ ሓይልታት ሓርነት ኤርትራን ተጋድሎ ሓርነት ኤርትራን ኣብ ግንባር ፊት ንፊት ኣንጻር ሰራዊት መግዛእቲ ዝካየድ ዝነበረ ርሱን ወተሃደራዊ ግጥማት፡ ኣብ ሳሕል ኰነ ኣብ ባርካ ምስቲ ወተሃደራዊ ኵነታት ዝኸይድ ዜማታት ይቐርብ ነይሩ። እዚ ንኹለን ብሄራትና ዝሓቍፍ ዜማታትን ትልሂታትን ድማ፡ ንተጋዳላይ ይዅን ንሓፋሽ ህዝቢ የጐሳጕስን ሃገራዊ ስምዒቱ ከም ዝብርኽ ይገብርን ነይሩ።
ብፍላይ ኣብ ህዝባዊ ሓይልታት ደሓር ህዝባዊ ግንባር እንተ ረኣና፡ እቲ ካብ መፋርቕ ሰብዓታት ኣብቲ ደጀን ሰውራ ዝነበረ ፋሕን ብለቃትን ዝተወልደት ጕጅለ ባህሊ፡ ኣብ ህዝብን ተጋደልትን ምርኢት ከተቕርብ ድሕሪ ምጽናሕ፡ ካብ መፋርቕ 1976 ንደሓር ግን ብማእከላይ ጕጅለ ባህሊ ዝፍለጥ ብዝተወደበ ኣገባብ ዝቖመት ጕጅለ ባህሊ ክሳብ 1980 ጕዕዞኣ ቀጸለት። ኣብ 1977 እታ ኣብ ዜሮ ዝተወልደት ብተመሃሮ ቤት ትምህርቲ ሰውራ ዝቖመት ካልኣይቲ ጕጅለ ባህሊ’ውን፡ ተራኣ ቀሊል ኣይነበረን። ድሕሪ ምዝላቕ ጕጅለ ባህሊ ቤት ትምህርቲ ሰውራ በቶም ካብ ከበሳ ዘዝለቑ ብቐያሕቲ ዕንባባ ማዕሪጋ፡ ከምቲ ኣብ ዝሓለፈ ተኸታታሊ ሕታማት ዝተገልጸ፡ ኣብ ጐድኒ እቲ ወተሃደራዊ ረጽሚ ልዑል ተራ ተጻዊታ።
ድሕሪ ምዝላቕ ኣውራ ድማ ድሕሪ 5ይ ወራር፡ ኣብ ግንባራት ካልእ ሰውራዊ ባህሊ ክዕንብብ ከኣለ። እተን ብሓይልን ቦጦሎንን ዝፈለማ ክንዲ ከበሮ፡ ጀሪካን እናተጠቕማ ዝቘማ ጕጅለታት ባህሊ ሓይልታት፡ በብእዋኑ ስልክን ጣውላን እናኣራረያ ክራርን ጊታርን ክሰርሓ ሓርኮትኮት በላ። ብሳላ እቲ ዘይሕለል ጻዕርን ትግሃትን ተጋደልቲ ድማ፡ እተን ብሓይልን ቦጦሎንን ዝፈለማ ጕጅለታት ባህሊ ሓይልታት ከይደንጎያ ናብ ጕጀለታት ባህሊ ብርጌዳት ማዕበላ። ምስ ምቛም ክፍለ ሰውራዊታት ኣብ 1984 ድማ፡ ናብ ጕጅለታት ባህሊ ክፍላተ ሰራዊት ማዕቢለን። እተን ኣብ ሰሜናዊ ምብራቕ ሳሕልን ናቕፋን ዝነበራ ብርጌዳት ነናተን ጕጅለታት ባህሊ ብምቛም ኣብ መንጎአን ቅዱስ ቅንኢ ብምሕዳር መን ካብ መን ክትሰንፍ ዘይኰነ፡ መን ካብ መን ክትሓልፍን ንቕድሚት ክትውንጨፍን ቅዱስ ቅንኢ ብዘርኢ ውድድራት ተኻየደ።
ኣብ 1980 እታ ኣብ 1976 ኣብ ፋሕ ዝቘመት ባህሊ ወድብ እትፍለጥ ማእከላይ ጕጅለ ባህሊ ንግዜኡ፡ ናብተን ኣብ ግንባራት ዝስስና ዝነበራ ጕጅለታት ባህሊ ብርጌዳት ፋሕ ኢላ። እዚ ድማ ዝያዳ ተመኵሮ ንምልውዋጥ ነበረ። እተን 10 ብርጌዳት ህ.ግ. ማለት ኣብ ሰሜናዊ ምብራቕ ሳሕል ዝነበራ ብርጌዳት 4፡ 23፡ 31፡ 44 ከምኡ’ውን፡ 76 (ከቢድ ብረት)፡ እተን ኣብ ግንባር ናቕፋ ዝነበራ፡ ብርጌዳት 51፡ 58፡ 70ን 77 ከምኡ’ውን፡ ደሓር ዝቘመት ኣብ ድሕሪ መስመር ዝነበረት ብርጌድ 80 በብወገነን ጕጅለታት ባህሊ ብምቛም ኣብ ህዝብን ተጋደልትን ኣደናቒ ምርኢት ከቕርባ ከለዋ፡ እቶም ዝያዳ ተመኵሮ ዝነበሮም ኣባላት ማእከላይ ጕጅለ ባህሊ ድማ፡ ኣብዘን ጕጅለታት ባህሊ ብርጌዳት ተመዲቦም፡ ተመኵሮ ኣብ ምቕሳም ዓቢ ተራ ተጻዊቶም።
ድሕሪ’ዚ ኣብ ደጀን’ውን ካልኦት ጕጅለታት ባህሊ ክምስረታ ጀመራ። ጕጅለታት ባህሊ ራሕባ ደሓር ኮሚሽን ምስናዕ፡ ጕጅለ ባህሊ ሓለዋ ሰውራ፡ ጕጅለ ባህሊ ክፍሊ ታዕሊም፡ ጕጅለታት ባህሊ ክፍሊ ማሕበራዊ ጕዳያት ክጥቀሳ ይኽእላ። ልዕሊ ኹሉ እቶም ኣብ ትሕቲ ክፍሊ ማሕበራዊ ጕዳያት ዝእለዩ ዝነበሩ ስንኩላን ተጋደልቲ ነናቶም ጕጅለ ባህሊ ብምቛም ኣብ ግንባራትን ደጀንን ዑደት እናገበሩ ዘቕርብዎ ዝነበሩ ሰሓቢ ምርኢታት ዝርሳዕ ኣይኰነን። በዚ ምርኢታት’ዚ ድማ፡ ብሓቂ እቲ ወድብ ኣብ ጐድኒ እቲ ዝካየድ ዝነበረ ወተሃደራዊ ግጥማት ካልእ ባህላዊ ግንባር ብምቛም ተጋዳላይ ኣብ ክንዲ ውግእን ወረ ውግእን በቲ በብእዋኑ ዝካየድ ዝነበረ ሰውራዊ ባህልታት እናተዘናገዐ፡ ዝያዳ ከም ዝምክት ይግበር ነይሩ።
እተን ኣብ ትሕቲ ክፍሊ ማሕበራዊ ጕዳያት ዝተመስረታ ጕጅለታት ባህሊ፡ ኣብ ትሕቲ’ቲ ኣብ ዓሬርብ ዝነበረ ብመዓስከር ብደሆ ዝፍለጥ ብዓይነ ስዉራን ዝቘመት ሓንቲ ጕጅለ ባህሊ፡ ካልኣይቲ ድማ ካልእ ስንክልና ብዝነበሮም ስንኩላን ተጋደልቲ ዝቘመት፡ ከምኡ’ውን እቶም ዝያዳ ክእለዩ ኣብ ፖርት-ሱዳን ዝነበሩ ዳርጋ ኩሎም ፍርቂ ኣካሎም ዝለመሰ፡ ካብ ዊልቼር ዘይወርዱ ፓራላይዝ ስንኩላን ከይተረፉ ኣብ ክሊኒክ ፖርት-ሱዳን ናቶም ጕጅለ ባህሊ ዝመስረቱዋ ነይረን። እዛ ኣብ ፖርት ሱዳን ዝቘመት ገጅለ ባህሊ፡ ንርእሳ ኰይና ነቲ ኣብ ስደት ከርተት ዝብል ዝነበረ ህዝብና ብኩልንትናኡ ምስ ሰውራኡ ከም ዝስጉም ንምግባር ብዙሕ ምርኢታት ኣቕሪባ።
ብዘይካ’ዚ እቲ ኣብ ትሕቲ ማሕበራዊ ጕዳያት ዝእለ ዝነበረ መዓስከር ሰለሙና ዳርጋ ዓብላሊ ኣባላቱ ቈልዓ-ሰበይቲ ብምንባሩ፡ እተን ኣብ ትሕቲ ዑቕባ ህ.ግ. ኣብ መዓስከር ሰለሙና ዝነበራ ኣደታት ሓንቲ ህብብቲ ብ “ባና ሓርነት” እትፍለጥ ጕጅለ ባህሊ መስሪተን። ጕጅለ ባህሊ ባና ሓርነት ኩለን ደቂ ኣንስትዮ ስለ ዝነበራ ባዕላተን ክንዲ ኣንስትን ሰብኡትን ኰይነን ክደርፋን ክዋስኣን ከለዋ ዘይድነቕ ኣይነበረን።
ካልእ፡ እቶም ኣብ ስደት ኰይኖም ኣብ ሰውራ ዝተወደቡ ተመሃሮን ስነ ጥበበኛታት’ውን፡ ኣብቲ ዝነብሩሉ ዓድታት ባህላዊ ጕጅለታት ብምቛም፡ ብኣካል ካብ ኤርትራ እንተ ረሓቑ’ኳ ብዜማን ሙዚቃን ግን ምስቲ ኣብ ውሽጢ ኤርትራ ዝነበረ ህዝብን ተጋደልትን ኰይኖም ሃገራዊ ደርፍታትን መዛሙርን የቕርቡ ነይሮም። በዚ ድማ፡ እተን ጕጅለታት ባህሊ፡ ኤርትራዊ ኣብ ዝሃለወ ይሃሉ ኩሉ ንሃገሩን ህዝቡን ሰውራኡን ብተወፋይነት ከም ዝሰርሕ ይገብር ዝነበረ’ዩ።
እቲ ካብ ኩሉ ዘገርም ግን፡ ንኽትኣምኖ’ውን ዘጠራጥር እቶም ኣብ ትሕቲ ክፍሊ ሓለዋ ሰውራ ዝነበሩ ምሩኻት ወተሃደራት ኢትዮጵያ፡ ድሮ ብህ.ግ. ዝግበረሎም ዝነበረ ፖለቲካዊ ኣስተምህሮ ነቒሖም ንብሄራት ኢትዮጵያ ዘንጸባርቕ፡ ግን ከኣ ነቲ ሰውራዊ ቃልስናን ቃልሲ ጭቁናት ብሄራት ኢትዮጵያን ዘጐሳጕስ ዜማታት የቕርቡ ነይሮም። እታ ኣብ ሜዳ ብሓልዮት ህ.ግ. ዝቘመት ብ ‘ኢምባክ’ እትፍለጥ ጕጅለ ባህሊ ኢትዮጵያውያን ምሩኻት ብሓቂ ኣደናቒ ምርኢት ብምቕራብ ንተጋደልትን ህዝብን ኤርትራ ዓቢ መልእኽቲ ተመሓላልፍ ነይራ።
እዞም ደቂ ኣንስትዮ ዘይነበራኦም ምሩኻት ወተሃደራት ኢትዮጵያ፡ ኣብ እዋን ተዋስኦ ኣብ ክንዲ ባህርያዊ ቁኖ ጓል ኣንስተይቲ፡ ሰብ-ሰርሖ ጋመ ተቘኒኖም፡ ኣብ ክንዲ ባህርያዊ ኣጥባት ደቂ ኣንስትዮ፡ ኣጥባት ዝውክል ኣጭርቕቲ ኣብ ኣፍልቦም ወቲፎም ምርኢት የቕርቡ ነይሮም። ስነ- ጥበበኛታት ጕጅለ ባህሊ ‘ኢምባክ’ ንናይ ገዛእ ርእሶም ስርዓት ብዜማን ሙዚቃን ከዋርዱን ክደርፉን እንክትርኢ፡ እዚ እቲ ካልእ ሓይሊ ህዝባዊ ግንባር ኣብ ምንቃሕ ህዝቡ ጥራይ ከይተሓጽረ፡ እንኮላይ ንጻላእቱ’ውን፡ ንሓድሕዶም ከም ዝባልዑን ብሰውራ ኤርትራ ከም ዝኣምኑን ካብ ዝገብር ዝነበረ መርኣያ ናይቲ ካልእ ገድሊ ንናጽነት ነይሩ ክበሃል ይከኣል።
እምበኣር፡ ኣብ ዝቕጽል ሕታማትና ገለ ካብቲ ኣብ ዘበነ-ገድሊ ኣብ ግንባራትን ደጀንን ማለት ኣብ ሓይልታትን ክፍልታትን ህ.ግ. ዝዕንብብ ዝነበረ ባህላዊ ንጥፈታት ክንርኢ ኢና።
ይቕጽል…

